ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ኦነግ ኣብ አማሮ 4 ሰባት ቐቲሎም ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም


ዕጡቓት ኦነግ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ወረዳ ኣማሮ ንኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተሉ ነበርቲ ገሊፆም።

እቶም ዝሞቱ ሰባት ካብ ዞባ ኮንሶ ወረዳ ቡርጂ ናብ ወረዳ ኣማሮ ኬሌ ይጉዓዙ ዝነበሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ናይ ደቡብ ክልል ፕረዚዳንት ኣቶ ሚሊዮን ማቲዮስ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣማሮን ቡርጂን ይወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ካብ ዓቕሚ ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ ንላዕሊ እዩ ኢሎም።

ብቕድሚ ትማሊ ዝተቐትሉ ክልተ ሰባት ሓዊሱ ዛጊድ 82 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣብቲ ከባቢ ይፍፀም ብዛዕባ ዘሎ መጥቓዕቲ ሓበሬታ የብለይን ክብሉ ትማሊ ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG