ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ንወረዳ ሴዳል ቤንሻንጉል ጉምዝ ምቁጽጻሮም ተሓቢሩ: ሰበ ስልጣን'ቲ ክልል ግን ነዚ ይነጽጉ


ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ መን ከምዝኾኑ ዘይተፈለጡ ዕጡቃት ንወረዳ ሴዳል ከምዝተቆጻጸሩን ንገለ ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል ከምዝቀተሉን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቢሮ ጸጥታን ህንጸትን እቲ ክልል ብወገኑ "ሴዳልን ከባቢኣን ኣብ ትሕቲ ዕጡቃት ወዲቃ" ንዝብል ዜና ነጺጉ። ሓላፊ’ቲ ቢሮ ከምዝገለጽዎ "ፈጻሚ እቲ መጥቓዕቲ፣ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ጉሙዝ ዝተባሃለ ጉጅለ ሸፋቱ’ዩ" ከምዝበለ’ውን ተገሊጹ'ሎ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሺ እትርከብ ከባቢ 25 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ወረዳ ሙሉእ ብሙሉእ ክበሃል ብዝኽእል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዕጡቃት ሓይልታት ከምትርከብ ኣፍሊጡ።

እቶም ዕጡቃት ኣብ ህይወትን ንብረትን ሓደጋ ምውራዶም ኣብቲ መግለፂኡ ጠቂሱ: መንነትን ዕላማን እቶም ጉጅለ ዕጡቃትን እንታይ ከምዝኾነ ፣ኣብ ንብረትን ህይወትን ዘብፅሕዎ መጠን ሓደጋ ስጋብ ሕጂ ብዝርዝር ከምዘይፍለጥን እቲ ኮሚሽን'ውን ከምዘይበፅሖን ፣ ምስ ኣካላት መንግስቲ ኮይኖም ብምትሕግጋዝ የፃርዩ ምህላዎም ወሃቢ ቃልን ላዕለዋይ ኣማኻርን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሮን መዓሾ ይገልፁ ።

"ካብ ሚያዝያ 11 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ዕጡቃት ሓይልታት ምውዓላ ሓበሬታታት ዘረዱኡና ፤ ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እታ ወረዳ ፣ ኣመራርሓን ፖሊስን ካብቲ ኸባቢ ሃዲሞም ምኻዶምን እቶም ዕጡቃት ሓይልታት ናይ መንግስትን ህዝብን ንብረት ምቅፃሎም ፣ኣባላት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታት ከምዝቀተሉን ክነረጋግፅ ኪኢልና ኢና። ሓይልታት ፀጥታ እቲ ኸባቢ'ውን ልዕሊ ዓቅሙ ከምዝኾኖን ክበፅሕሎም ፃውዒት ዘቅረቡሎም ኣካላት'ውን ብእዋኑ ዘይምብፀሖም ነበርቲ እቲ ኸባቢ ነጊሮምና:: "

ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሓላፊ ቤትፅሕፈት ፀጥታን ምርግጋኣትን ኣቶ ኣብዮት ኣልቤሮ ነቲ ወረዳ ሴዳል ኮነ ከተማኣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዕጡቃት ሓይልታት ኣትየን ዝብል ሓሳብ ኣይቅበሉዎን ።

"ሓደ ኸተማ ሙሉእ ብሙሉእ ተቆፃፂሮማ ክበሃል ዝኽእል መንግስቲ ሰላምን ሕግን ከኽብር ብዘይምኽኣሉ እቲ ኹነታት ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ኮይኑ ካልእ ሓይሊ ፀላኢ ነታ ዓዲ ክወራ ከሎ እዩ ።ኣብዚ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኣብዚ ቦታ ተረኺቡ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ኦፖሬሽናት እናሰርሑ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ኢና ንርከብ ። ብርግፅ ፀረ ሰላም ሓይልታት ናብታ ከተማ ኣትዮም'ዶ ንዝብል እወ ንብረት 'ውን ኣዕንዮም እንተኾነ ግን ነታ ኸተማ ይኹን ወረዳ ሙሉእ ብሙሉእ ፀረ ሰላም ሓይልታት ተቆፃፂሮማ ዝብል መግለፂ ልክዕ ኣይኮነን ።"

ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣብ ህይወት ሰባት ዝወረደ ሓደጋ ከምዘሎ ኣይከሓዱን ብዛዕባ መቅተልትን ምጭዋይን ኣባላት መንግስቲ ግን ዝበፅሖም ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊፆም ኣብቲ ዝነበረ ጎንፂ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝበፅሑ ጉድኣታት ከምዘሎን ነዚ ዘፃርዩ ኣካላት ናብቲ ኸባቢ ተላኢኹ ክፅናዕ ሙዃኑ ሓቢሮም ። ብዛዕባ መንነትን ዕላማን እቶም ጉጅለ ዕጡቃት ንዝቀረበሎም ሕቶ ካብ ደገ ጥፍኣትን ውድቀትን ኢትዮጵያ ዝምነዩ ሓይልታት ዘዋፈርዎ ተለኣኣኺ ጉጅለ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG