ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ነገድ ሙርሌ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጋምቤላ መጥቓዕቲ ምፍጻሞም መንግስቲ'ቲ ክልል ሓቢሩ


ካብ ደቡብ ሱዳን ዝብገሱ ዕጡቓት ነገድ ሙርሌ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ዶብ ሰጊሮም ብምእታው ኣብ ውሽጢ ክልል ጋምቤላ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣኩጉ ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ክልተ ስደተኛታት ቀቲሎም ሓደ ሰብ ኣቁሲሎም ክብል መንግስቲ እቲ ክልል አፍሊጡ።

ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ጋምቤላ አቶ ኡቶው ኡኮት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ካብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ቡማ ዝመጹ ዕጡቓት ክልተ ቆልዑ'ውን ጨውዮም ወሲዶም'ዮም ድሕሪ ምባል ቅድሚ ሎሚ ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኾነ እቶም ዕጡቃት ዝተሰምዔ ነገር የለን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ግን ብኣፈ-ጉባኤ ኢትዮጵያ አቶ ታገሰ ጫፎ ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኻት ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ብዛዕባ መጥቃዕታት ዕጡቓት ሙርሌ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጸጥታ ዶብ ክልቲኣትን ሃገራት ምዝርራቡ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG