ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ምንቅስቃስ ናጽነት ህዝብታት ቤንሻንጉል ንሓያለ ከባቢታት ዞባ ከማሼ ምቁጽጻሮም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቃት ምንቅስቃስ ነጻነት ህዝብታት ቤንሻንጉል ቤህነን ንሓያለ ቦታታት ዞባ ካማሽ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ተወሳኺ ሓይሊ ጸጥታ ሎሚ ናብቲ ዞባ ኣትዩ ክብል ኮሚሽን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ኮሚሽን ፖሊስ'ቲ ክልል ኢንስፔክተር ምስጋናው እንጅፍታ ምንቅስቃስ'ቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ቅልውላው እንተፈጠረ'ዃ እ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብምክንያት ዉሱን ሓይሊ ጸጥታ ሕጊ ምኽባር ኣይተኻእለን ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ ጸጥታ ኣብ ምኽባር ዝነበሩ ኣባላት ኣኽባሪ ሰላም'ውን ብኻልኦት ዕጡቓት ተቀቲሎም ክብሉ ወሲኾም።

ኣብ ዞባ ካማሽ ዝንቀሳቀስ ቤህነን ካብ ዓቕሚ ምክልኻል'ቲ ኽልል ኮይኑ ምጽንሑን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፊደራል መንግስቲ ደገፍ ሓይሊ ጸጥታ ክሓቱ ከምዝጸንሑ ጠቂሶም ሎሚ ተወሳኺ ሓይሊ ናብቲ ዞባ ኣትዩ'ሎ ኢሎም።

ብመንግስቲ'ቲ ክልል ዝኽሰሱ ዘለዉ ኣካላት ብስልኪ ማምላሾም ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ አይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG