ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ሓይልታት ማልታ ኣስታት 400 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም


ዕጡቓት ሓይልታት ማልታ ኣስታት 400 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ’ታ ሃገር ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ሎሚ ረቡዕ ዝደሓኑ ክኾኑ ከለው ሓይልታት ማልታ ነቶም ስደተኛታት ንምድሓን ስለስተ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ምካዶም ገሊጾም ኣለው።

ሓደ ሰበ ስልጣን ማልታ እዚ ቁጽሪ ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ናብታ ሃገር ዝኣተው ዝበዝሑ ስደተኛታት ምዃኖም ሓቢሮም።

ምንጭታት ወታሃደራዊ ሓይሊ ማልታ ካልኦት ስደተኛታት ዝጸዓት ጀልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝረኣዩን ግን ኸከ ጣልቃ ክኣትው ድዮም ኣይኮኑን ከምዘይሓበሩ ይገልጹ።

ብዝተፈላለዩ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝወነና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘለዋ መራክብ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ይፍትና ከምዘለዋ ይገልጹ ኣለው።

‘ሲዎች ኢንተርናሽናል’ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ 80 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝተረኽበትን: ዝበዝሑ ካብቶም ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምጥቃስ ሓቢሩ’ሎ።

ማልታ ብወገና ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ጸገም ንዘለው ስደተኛታት ጥራይ ከምዝሕግዝ ኣፍሊጣ’ላ።

ማልታ ኮነ ኢጣልያ ዶባተን ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘድሓና ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝወነና መራኽብ ከምዘይከፍታ ክገልጻ ጸኒሓንእየን ብተወሳኺ ሃገራት ኣውሮጳ እጃመን ስደተኛታት ክወስዳ ክጽውዓ ጸኒሓን’የን።

Recommended

XS
SM
MD
LG