ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ነዳዲ ስዑድ ዓረብ መጥቃዕቲ ፈጺሞም


ፋይል
ፋይል

ዕጡቓት ሑቲ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ኣብ ዝነበራ ክልተ መራኽብ ነዳዲ ስዑድ ዓረብ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ተሓቢሩ።

እተን መራኽብ ነዳዲ ጽዒነን ናብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ኣንፈት ገይረን ይጉዓዛ ኣብ ዝነበራሉ ብዕጡቓት ሑቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመንን: ስዑድ ዓረብ ድማ ኩሉ'ቲ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ሰደድ ጽዕነት ነዳዲኣ ንግዚኡ ደው ከምዘበለቶ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ጸዓት ኢንዳስትርን ሃብቲ ሚነራልን ካልድ ኣል ፈሊሕ
ሚኒስተር ጸዓት ኢንዳስትርን ሃብቲ ሚነራልን ካልድ ኣል ፈሊሕ

መንግስታዊ ኩባንያ ነዳዲ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ማለት ኣራምኮ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ግዝያዊ ምቁራጽ ሰደድ ነዳዲ ብቀይሕ ባሕሪ ከምዝተተግበረ ኣፍሊጡ። እቲ ኩባንያ ንሚኒስተር ጸዓት ኢንዳስትርን ሃብቲ ሚነራልን ካልድ ኣል ፈሊሕ ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: እተን ሓደጋ ዝወደቐን መራኽብ ስዑድ ዓረብ ነፍስወከፈን ክልተ ሚልዮን በርሚል ዝጽዕና ግዙፋት መራኽብ ነዳዲ ምዃነን ብምሕባር: በቲ ካብ ግብረሽበራውያን ሓይልታት ሑቲ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ እታ ሓንቲ ፎኪስ ማህረምቲ ከምዘጋጠማ ሓቢሩ። ካልእ ዝኾነ ጉድኣት ይኹን ፍሰት ነዳዲ ከምዘየጋጠመ ድማ ብተወሳኺ እቲ ካብ ኣርማኮ ዝተዋህበ መግለጺ ኣረዲኡ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዕዳጋታት ነዳዲ ዓለም ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከምዝተንጸባረቐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስዑድ ዓረብን ኢራንን ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣብ ጉዳይ የመን ኣንጻር ሓድሕደን ተጸሚደን ዝጸንሓ ክኾና እንከለዋ፡ ስዑድ ዓረብ እቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ብኢራን ከምዝድገፉ እያ ትኸስስ።

ዕጡቓት ሑቲ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ንወደባት ስዑድ ዓረብ ይኹን ካልእ ዒላማታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምውቃዕ ብቕዓት ከምዘለዎም ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG