ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕድመ ፕረዚደንት ኣመሪካ የካትዕ


 ዕድመ ፕረዚደንት ኣመሪካ የካትዕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:59 0:00

ዕድመ ፕረዚደንት ኣመሪካ የካትዕ

ብዕድመ ዝዓበዩ ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ንዝቕጽል ናይ መዝነት ጊዜክወዳደሩ ኣብ ዘንቀድሉ እዋን፡ ኣመሪካውያን ነዛ ሃገር ንክትመርሕ ንምምራሕ ዕድመ ክንደይ ክከውን ኣለዎ ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ፖለቲካ ዕድመ ካብ ቁጽሪ ምዃኑ ዝሓልፍ ኣይኮነን። እንተኾነ መዘራረቢ ጉዳይ ጉይኑ`ሎ። ፕረዚደንት ባይደን ንውሰድ። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ሕቶ ቀሪብሉ ኔሩ። ዕድሜኻ ኣብ ግምት ብምእታው ዝቕጽል ፕረዚደንት ንክትከውን ኣብ ከመይ ቁመና ትርከብ ዝብል ሕቶ። ባይደን "ኣብ ጽቡቕ ቑመና ኣለኹ። ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኢና ዘለና። ከም ትፈልጥዎ መበል 58 ዓመት ዕለት ልደተይ ክኽብር ይቀራረብ ኣለኹ።”

ባይደን ንክዋዘ ዝበሎ`ዩ`ምበር ዕድሚኡስ 80 ዓመት`ዩ። እዚ ዕድመ`ዚ ካብ ዓለም በደሞክራሲያዊ ኣገባብ ካብ መንጎ ዝተመርጹ ዝዓበዩ ብዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ይገብሮ።

ኣንጻሩ ዝወዳደር ዘሎ ፕረዚደንት ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ`ውን ዕድሚኡ 76`ዩ።

ኣብ ኣመሪካ ብምርጫ ዝምደብ ሳልሳይ ደረጃ ስልጣን ሒዛ ዘላ ድማ ጓል 62 ዓመት ናንሲ ፐሎሲ እያ። ንሳ ሕጂ ይኣኽለኒ ንንኡስ ወለዶ ከረክብ ትብል ኣላ። ዝመጽእ ወርሒ ክትወርድ እያ፡ ብዛዕባ ምውራዳ ድማ ከምዚ ኢላ ኔራ።

"ንዝቕጽል ደሞክራቲክ መሪሕነት ኮንግረስ ኣይክወዳደርን`የ። ነቲ ኣዝየ ዘኽብሮ ደሞክራቲክ መሪሕነት ሓዲሽ ወለዶ ክርከቦ ንዓይ ሰዓቱ ኣኺሉ`ሎ። ብዙሓት ነዚ ሓላፍነት`ዚ ክስከሙ ድልዋት ምህላዎም ድማ ዓሚቕ ታሕጓስ ይስምዓኒ።"

ተመራመርቲ ታሪኽ ከም ዝብልዎ ግን ፡ከምኡ ዝበለ ላዕላዋይ ጽፍሒ ፖለቲካ ኣመሪካ ከም መካትዒ በትሪ ኮይኑ ክልዓል ጸኒሑ`ዩ። ብዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ነቲ ዝጽበዮም ከቢድ ሓላፍነት ክሽከም ዝኽእል ቁመና ኣለዎም ዝብል ሕቶታት ብኹሎም ተቐናቐንቲ ፖለቲከኛታት ክልዓል ጸኒሑ`ዩ።ምሁራት ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ድማ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ኣብ ፖለቲካዊ ቀጻልነት ዘሕድርዎ ጽልዋ`ዩ ይብሉ ።

ጀረሚ ሱሪ ኣብ ቴክሳስ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር ታሪኽ`ዩ ከምዚ ይብል፡“እቲ ጸገም፡ ንነዊሕ ዝጸንሑ መራሕቲ፡ ነቶም ማእከላይ ዕድመ ዘለዉ ክምልምልዎም ኣይደልዩን`ዮም። ምኽንያቱ እቶም ማእከላይ ዕድመ ዘለዉ ሓያላት እንተኾይኖም ነቶም ቅድሚኦም ዘለዉ ክትክእዎም ስለዝኾኑ። ከምኡ እንተኾይኑ ኣብ ብዙሕ ጽፍሕታት ሰልፍታትና፡ ካብቶም ኣብ 70`ታት ዕድመ ዘለዉ ናብ 40`ታት ክዘሉ`ዮም ማለት`ዩ።"

ካብ መንጎ`ዞም ዝዓበዩ ሕጹያት ሓደ ኮይኑ ዘሎ ቅድሚ ሎሚ ፕረዚደንት ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጽቡቕ ቁመና ኣለኹ ይብል ኣሎ። ደገፍቱ ድማ ትራምፕ ብቑዕ`ዩ፡ ባይደን`ዩ ኣሪጉ ዘሎ ይብሉ።

ሆጋን ጊድሊ ኣብ ኣመሪካ ፈርስት ኢንስቲቱት ዳይሬክተር ማእከል ርትዓውነት ምርጫ`ዩ፡ ኣብ ግዜ ትራምፕ ድማ ምኽትል ወሃቢ ቓል ዋይት ሃውስ ዝነበረ`ዩ ከምዚ ይብል፡“ልቦና ዘለዎ ሰብ`ዩ ዘድልየካ። ከምዚ ትራምፕ ዘለዎ ኣካላዊ ቁመና ንእስነት የድልየካ፡ ከምኡ ድማ ልቦና የድልየካ። ንሱ ድማ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ`ዩ።"

ትራምፕ ብወገኑ ክዛረብ ከሎ ብዙሓት ኣብ 80`ታት ወይ 90`ታት ኮይኖም ብጽቡቕ ቁመና ዘገልገሉ ኣለዉ፡ ባይደን ግን ሓደ ካብኦም ኣይኮነን ኢሉ ኔሩ።

ፕሮፈሰር ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ጀረሚ ሱሪ ግን ኣብ መንጎ መራሕትን ኣድመጽትን ዘሎ ናይ ዕድመ ክፍተት ጸገማት ከልዕል ምጽንሑ ይገልጽ። ንኣብነት ባይደን ንመንእሰያት ኣድመጽቲ ኣብ ዝጉስጉሰሉ እዋን፡ ከምቲ ዝድለ ኣዘናጋዒ ዝኾነ ስምዒት ኣይፈጥረሎምን ይኸውን ይብል።

ፕረዚደንትነት ኣመሪካ ኣብ ነብስወከፍ ኣርባዕተ ዓመታት ዝግበር ኮይኑ፡ ሓደ ፕረዚደንት ኣብ ካልኣይ ምርጫ`ውን እንተተዓዊቱ ሸሞንተ ዓመታት ይገብር ማለት`ዩ፡ እቲ ዕድመ እራጋን ድማ ብኡኡ መጠን ዝርኣይ`ዩ።

XS
SM
MD
LG