ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕዳጋ ከብቲ ከተማ መቐለ ቀበሌ 17


ዕዳጋ ከብቲ ከተማ መቐለ ቀበሌ 17
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:52 0:00

ዕዳጋ ከብቲ ከተማ መቐለ ቀበሌ 17

ኣብቲ መጀመርያ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝተኸብረ በዓል ቁዱስ የውሃንስን ሓዱሽ ዓመት ብዝምልከት ኩነታት ዕዳጋ ንምርኣይ ናብ ዕዳጋ ከብቲ ከተማ መቐለ ቀበሌ 17 ከባቢ ብምዝውዋር ዕዳጋ ከብቲ ካብ ደላሎ፣ ነጋዶን ዓደግትን ኣዘራሪብና፡፡

ኣብ ዕዳጋ ረኺበ ዘዛረራብኩዎ ነጋዳይ ጠለበጊዕ ኣይተ ተክስተ ኣረጋዊ ኣብዚ ዓውዲ ንልዕሊ 20 ዓማውቲ ከምዝሰርሐ ይዛረብ፡፡ ንሱ ኩነታት ዕዳጋ እንትገልፅ “ዋጋ ኣባጊዕ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወሲኹ ኣሎ፡፡ ኣብ ሓደ በጊዕ ካብ 300 ­ክሳብ 400 ወሰኸን ኣለዋ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ነጋዶ ከምፅእወን ዝተሓሰባ ኣባጊዕ ኣብ ወልድያ ስለዝተወረራ እዩ” ይብል።

ጠለበጊዕን ከፍትን ብምድላል ንነዊሕ ግዘ ዝሰርሐ ተስፋልደት ገብረማርያም ይብሃል፡፡ ተስፋልደት “ኣባጊዕ ካብዝሓለፈ ዓመት ኣፀቢቐን ወሲከን ኣለዋ፡፡ ምኽንያቱ ተጠቃማይ ብምብዝሑ እዩ፡፡ ኣብ ከፍቲ ግን ፅቡቅ እዩ ወሰኽ የለን፡፡”

ካልእ ርእይትኡ ዝገለፀለይ ድማ በዓል ዋና መሸጢ ስጋ ኣይተ ሓየሎም መሓሪ እዩ፡፡ ሓየሎም ድማ ከምዚ ይብል “ከፍቲ ካብ ዝሓለፉ በዓላት ድሓን እየን፡፡ ኣይወሰካን፡፡ ምክንያቱ ደማ ፅቡቅ ክራማት ስለዝነበረ እዩ፡”

በጊዕ ንምግዛእ ናብትን ናብዝን ዝብል ዝነበረ ኣይተ ተድላ ደስታ ድማ “ኣባጊዕ ኣፀቢቐን ከቢረን ኣለዋ፡፡ ምኽንያቱ ነጋዶ ከምዝብልዎ ብርክት ዝበላ ናብዚ ክኣትዋ ዝነበረን ኣባጊዕ ኣብ ወልድያ ሰለዝተወረራ ንዕዳጋ ኣባጊዕ ከጋድዶ ኪኢሉ አዩ”ይብሉ፡፡

XS
SM
MD
LG