ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕንወት ከባቢያዊ ሓለዋ ኣብ ትግራይ


ዕንወት ከባቢያዊ ሓለዋ ኣብ ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:55 0:00

ዕንወት ከባቢያዊ ሓለዋ ኣብ ትግራይ

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመደብሩ ጉጅለ ኵናት ክልል ትግራይ ምብራስ ኣድዋር ይፈጥር ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።ናብቲ ክልል ነዳዲን ረድኤትን ከይኣትው ዘሎ ዕፅዋ ነበርቲ ኣእዋም እናቖረፁ ድሮ ኣብ ሓደጋ ዓፀቦ ዝርከብ ክልል ናይ ዘሎ ሕፅረት ምግቢ የጋድዶ ኣሎ ኢሉ ሕቡራት መንግስታት።

ትግራይ ንልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዕፅዋ ሰብኣዊ ረድኤት ትርከብ።ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን እቶም ተዋጋእቲ ትግራይን ናብቲ ብኵናት ዝተወቕዐ ክልል ረድኤት ብምኽልካል ነን ሕድ ሕዶም ይካሰሱ።

ሕቡራት መንግሳትት ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ምስ ሕሱም ሕፅረት ምግቢ ኣብ ትግራይ ይኸውን ኣሎ ይብል።ተራ ተወለድቲ ትግራይ ንማዕልታዊ ናብራ ዝኸውን ፀጋታት ንምርካብ ኣዚዮም ይደልዩ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመደብሩ ንትርፊ ዘይሰርሕ ጉጅለ ግጭትን ተኸታታሊ ከባቢያዊ ሓለዋን ኣብ ትግራይ ኵናትን ስእነት ረድኤትን ንተጋሩ ንዓሰርተታት ዓመታት ፀገም ክፈጥር ዝኽእል ኣብ ከባቢያዊ ሓለዋ ከቢድ ፅልዋ ይፈጥር ኣሎ ኢሉ።

ካብ ትግራይ ዝተወሰዱናይ ሳተላይት ምስልታት ብምግምጋም እቲ ፀብፃብ ‘'ግጭት ዘስዓቦ ብርሰት ዱር’’ብዘተሓሳስብ ደረጃ ይፍጠር ኣሎ ክብል ገምጊሙ።

ምግቢ ዘምርት ሓመድን ማይን ኣብ ምዕቃብ ኣእዋም ዓብዪ ታራ ኣለዎም።ትካላት ረድኤት ክፋላት ትግራይ ድሮ ዓፀቦ ገጢሙዎም ኣሎ።

ነቲ ፀብፃብ ዝፀሓፈት ኣብ ናይ ለንደን ሕብረተሰብ ስነ እንስሳት ሳይንትስት ሄንሪክ ሹልት እያ።ንሳ ግጭት ዝፈጠሮ ብርሰት ኣእዋም ምምሕዳር ከባቢያዊ ሓለዋ ክፈርስ ከሎ ንኣብነት ኣብ ናይ ኵናት ከባቢ ሓለዋ ይግበረሎም ዝነበሩ ከባቢታት ስለዘይሕለው ሰባት ኣትዮም ተኽልታት ይቖርፁ ትብል።ብርሰት ኣእዋም ድልየት ናይ ወፃኢ ሃፍቲ ክውስኽ ከሎ እውን ይኽሰት ትብል ወሲኻ።

ራፊኤል ኢዶው ኣብ ዋሽንግተ ናይ ዝመደብሩ ንትርፊ ዘይሰርሕ ጉጅለ ወኪል ምርመራ ከባቢያዊ ሓለዋ ናይ ኣፍሪካ ፕሮግራም ማናጀር እዩ።ንሱ ኣብ ኣፍሪካ ዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ጉጅለታት መብዛሕቲኡ ግዜ ዕንፀይቲ ከም ፍልፍል ገንዘብ ይጥቀሙሎም ይብል።

ግጭት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዝለዓለ ብርሰት ዱር ኣሎ ይብል ወሲኹ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ትግራይ ልምዓትን ቁጠባን ከምኡ እውን ውሕስነት ምግቢ ንምርግ ጋፅ ዕዉት ዝኾነ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀር ኣድዋር ተኻይዱ እዩ።እዚ ፃዕሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ይብል እቲ ፀብፃብ።

እንተኾነ ግን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓፂር ሻቖሎቱ ናይ ምንባር ጉዳይ እዩ።

ሕቡራት መንግስታት ትግራይን ክፋላት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓዊሱ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትሽዓተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ይብል።

ሹልተ ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ንምባል እቲ ዝበለፀ መንገዲ ግጭት ጠጠው ንክብል ምግባር እዩ፤ከምዚ ኮይኑ ግን ኣብ ከባቢያዊ ሓለዋ ዝወረደ ጉድኣት ንምፅጋን ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ እዩ ትብል።

XS
SM
MD
LG