ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕልዋ ዘካየዱ ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ኣብ ሓደ ሰሙን ቀ/ሚ ከምዝምዝዙ ኣፍሊጦም


ንዕልዋ ኣብ ሱዳን ዝመርሑ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሃን፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፣ ምስኦም ኮይኖም ዘማሕድሩ ቀ/ሚ ከምዝመዘዙ ሎሚ ኣፍሊጦም።

ምስ ቴለቭዥን ሩስያ ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሃን "እቲ ሓድሽ ቀ/ሚ ካቢነ ከምዘቐውምን ምስ ሓይልታት ሱዳን ሓቢሩ ዘማሕድርን’ዩ" ኢሎም፣

ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሃን "ንህዝቢ ንምምራሕን ኣብ እዋን ስግግር ንክንሕግዞምን ሓርበኛዊ ግዴታ አለና" ኢሎም።

ኣሶሴትድ ፕረስ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና እቶም ጀነራል ኣብ’ዚ ቅነ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘መራሒ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ከምዝኾኑን ንሱዳን ክሳብ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምርጫ ተኻይድ ከምዝመርሑን’ ኣፍሊጦም እዮም ይብል ።

XS
SM
MD
LG