ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕልዋ ማሊ ስዒቡ ብዙሓት መጻኢ'ታ ሃገር ብዝምልከት ዘለዎም ሻቕሎት ይገልጹ ኣለው


ፕረዚደንት ማሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣትዩ ስልጣኑ ድሕሪ ምርካቡ፥ መጻኢ ዕድል`ታ ሃገር እንታይ ይኸውን ዝብል ንብዙሓት ተዓዘብቲ ዘይፍታሕ ግድል ኮይንዎም ኣሎ።

ካብ 2013 ጀሚሩ ንማሊ ክመርሕ ዝጸንሐ ኢብራሂም ቦባካር ከይታ፥ ትማሊ ብዝኣደሙ ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ፥ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ፥ ካብ ምውራድ ካልእ ኣማራጺ የብለይን ክብል ተዛሪቡ፥

“ንሸውዓተ ዓመታት ነዛ ሃገር ናብ ንቡር ንምምላሳ ብታሕጓስን ደስታን ብዝክኣለኒ ክሰርሕ ጸኒሐ`የ።”

እቶም ንፕረዚደንት ከይታ ዝዓለዉ፥ ሃገራዊ ኮሚቴ ድሕነት ህዝቢ ዝብሃሉ ኮይኖም ብኮነሬል እስማዒል ዋጒ ዝምርሑ`ዮም፥ ንሱ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ከምዚ ኢሉ “ማሊ በብመዓልቱ ናብ ዕግርግርን ሕግ-ኣልቦነትን እናሰጠመት ከይዳ- ብሰንኪ ጉድለት ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሑ ሰባትሓቀኛ ደሞክራሲ ኣራጢጥካ ኣይከውንን`ዩ። "

ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ፥ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት ንምውራድ ፕረዚደንት ከይታ ክሓቱ ጸኒሖም`ዮም።

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ማእከል ዓለማዊ ልምዓት ዝሰርሕ ግዩድ ሙር፥ እቲ ንመማህራንን ዶክተራትን ወሰኽ መሃያ ብምጽዋዕ ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፥ ናይ መንግስቲ ምላሽ ስለዘይተዋህቦ እናቐጸለ ከይዱ ናብ ምፍሻል ምርጫ ፓርላማ`ውን ኣምሪሑ፥

ኣብ ውሽጢ መንግስቲ`ውን ብልሽውናን፥ ሰበይ ሰብካን ከምዝነበረ ይእመን`ዩ ይብል።

ኣብ ማሊ ወኪል UNDP ሕቡራት ሃገራት ጆ ሸወር ብወገኑ፥ ዕልዋ ክተካይድ ምኽኑይ`ኳ እንተዘይኮነ፥ እቲ ጸገም ናይ ብዙሕ ዓመታት ዝተዋህለለ`ዩ ይብል።

ሕብረት ኣፍሪቃ፥ ደንበ ቁጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ -ኢካዋስ- ከምኡ`ውን ኣብታ ሃገር ዓቃቢ ሰላም ዘለዎ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኖሞ`ዮም።

ኣብ ኣፍሪቃ ብርክት ዝበሉ ምርጫታት ኣብ ዝቀራረብሉ ዘለዉ እዋን፥ እቲ ኣብ ማሊ ዘጋጠመ ዘይምርግጋእ ጽቡቕ ወረ ከምዘይኮነ`ዮም ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኢብራሂም ከይታ ኣብ 2013 ብደሞክራሲያዊ ምርጫ ዝተመርጸ ኮይኑ፥ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዝተዓለወሉ እዋን፥ ኣብ ናይ ካልኣይ ዘመን ስልጣኑ`ዩ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG