ኣስመራ —
ኣብ ብርክት ዝበሉ ተኸታተልትን ንጽል ፊልምታትን ከም ቀንዲ ገጸ ባህርን ተሓጋጋዝን ኮይኑ ብምውሳእ ብዘርእዮ ፍሉይ ጠባይ ገጸ-ባህሪ ካብ ህዝቢ ጽቡቕ ተቐባልነትን ኣድናቖትን ዝረኸበ ምኩር ተዋሳአይ’ዩ።
ዝተፈላለዩ ፊልምታት ብምድራስን ብምእላይን’ውን ኪኖ ምውሳእ ኣብ ስነ-ጥበብ ንዘለዎ ዓቕሚ ዘርኣየ ስነ-ጥበበኛ ‘ዩ-ግርማይ ገ/ልኡል(ወዲ ምዘሎ)። ኣብ ዩትዩብ ንዝዘርግሖም ተኸታተልቲ ፊልምታቱን ንሓፈሻዊ ተመክሮኡን ከምኡ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ንምብራኽ ዝገብርዎ ዘሎ ኣበርክቶ ብዝምልከት ምስኡ ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።