ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ምስ ገዲም ሙዚቀኛ ብርሃነ ተኽለን ኣሰሩ ዝሰዓባን ስነ ጥበባውያን ደቁን


musician
musician

ገዲም ሙዚቀኛ ብርሃነ ተኽለ ዝተማሃረሉን ዝሰርሓሉን ቀንዲ ሞይኡ ኤለክትሪሲቲ’ኳ እንተኾነ ኣብ ጊታር ብዝሓደሮ ፍቕሪ ኣብ 1970 ናብ ሙዚቃ ተጸንቢሩ ዳርጋ ንፍርቂ ዘበን ጎኒ ጎኒ ስርሑ ሊድ ጊታር ተጻዊቱን ገና ይጻወትን ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉን 20 ዓመታት ምስ ዝተፈላለዩ ደረፍቲ ከም በዓል ምኒሊክ ወስናቸው፡ሙሉቀን፡ጥላሁን፡ኩኩ ሰብስቤን ካልኦትን ከምኡ’ውን ምስ ዳዊት ፍሬው፡ጥላዬ ገብሬ፡ብርሃነ መሰለኣብን ካልኦት ገዳይምን ፍሉጣትን ሙዚቀኛታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ባንድ ተጻዊቱ’ዩ።

ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ’ውን ሙዚቃ ምጽዋት ቀጺልዎዩ። ኣብ ዝ ሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ከኣ ቤተኤልን ዳናይቲ ምስ ዝተበሃላ ክልተ ደቁ ናይ ስድራቤት ባንድ መስሪቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሆቴላት ፒያኖ ባር ኣብ ምጽዋት ይርከቡ።ገዲም ሙዚቀኛ ብርሃን ፡ሰለስተ ብሙዚቃ መሳርሒ ዝተዳለዋ ኣልቡማት ሰሪሑ’ሎ።

ምስ ሙዚቀኛ ብርሃነ ዝተገብረ ዕላል 1ይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።



XS
SM
MD
LG