ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ምስ ኤርትራዊ ደራስን ዳይረክተርን ዘርእሰናይ ተስፋይ


ደራስን ኣላይን(ዳይረክተርን) ዘርእሰናይ ተስፋይ
ደራስን ኣላይን(ዳይረክተርን) ዘርእሰናይ ተስፋይ

ኣብ መጀመርያ 90ታት ኣብ ማሕበር ትያትር ‘ኦሜጋ’ ተጠርኒፉ ናይ መድረኽ ድራማታት ምድራስን ምእላይን ‘ዩ ጀሚሩ።ልዕሊ 20 ሓጸርቲ ናይ መድረኽ ድራማታት፡10 ፊቸርን ተኸታተልቲ ናይ ተለቪዥን ፊልምታታን ደሪሱን ኣልዩን’ዩ።ኣብ ፌስቲቫላትን ሃገራዊ በዓላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ተሳቲፉ’ዩ።ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔታትን’ውን ንሓያለ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ዓንቀጻት ጽሒፉ’ዩ፥ ደራስን ኣላይን(ዳይረክተርን) ዘርእሰናይ ተስፋይ።

ኣብ’ዚ ቀራባ እዋን ከኣ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት “ነሲቢ” ዘርእስታ ናይ ፈለማ ናይ ዓፋር ፊልም ደሪሱን ኣልዩን ናብ ተዓዘብቲ ኣቕሪቡ’ሎ።ንሎሚ ኣብ’ዛ ተሪኻዊት ፊልም ኣተኩሩ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየዶ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ዕላል ምስ ኤርትራዊ ደራስን ዳይረክተርን ዘርእሰናይ ተስፋይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:31 0:00


XS
SM
MD
LG