ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ምስ ኣፍረይቲ መሳርሒት ከሻኒት ድስቲ


ዕላል ምስ ኣፍረይቲ መሳርሒት ከሻኒት ድስቲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:32 0:00

ዕላል ምስ ኣፍረይቲ መሳርሒት ከሻኒት ድስቲ

ሽዱሽተ ተማሃሮ ኤለክትሪካልን ኤለክትሮኒክስን ምህንድስና ማይ ነፍሒ፡ ባዕላ ጸብሒ እተዳሉ(እትኽሽን) መሳርሒት ሰኒዖም። እታ ከሻኒት ጸብሒ ብዝተዋህባ ፕሮግራም(ሓበሬታ) ዘድልያ ዓቐን ኣስቤዛ መዚና ብምውሳድ በቲ ልሙድ ኣገባብ መስርሕ ተኸቲላ ከም እትኽሽን ኣባላት ናይዛ ጉጅለ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ቀንዲ ዕላማ ናይዛ ስራሕ ሃልኪ ግዜን ሰብን ንምጉዳል ከምዝኾነ ዝገለጹ እቶም ሰናዕቲ፡ ኣብ’ቲ ንባህላዊ መግቢ ዝውክል ጸብሒ ስልሲን ንዘመናዊ መግቢ ዝውክል ዝበልዎ ሩዝን ብዘካየደዎ ፈተነ፡ ስልሲ ንምድላው ካብ 20-25 ደቒቕ፡ ንሩዝ ንምድላው ከኣ ካብ 15-20 ደቒቕ ከም ዝወሰደላ ኣረዲኦም።

ነዛ ማሽን ንምስራሕ ከም ኣልሚንየም፡ ረስኒን ዘለሊ(ሴንሰር)፡ ከም ሞተር ዘገልግል ኣርዲኖን ዝኣመሰሉ ኣቑሑ ከምእተጠቕሙ ብምግላጽ፡ እቲ ንመብሰሊን መትሓዝን መግቢ ዝተጠቕምሉ ኣቝሑ ኣሉታዊ ጥዕናዊ ሳዕቤን ዘየኸትሉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም። እታ ማሽን ባዕላ ተወሊዓ ግዜኣ ሓልያ ባዕላ ስለትጠፍእ ንሓደጋ ዘይተቃልዕ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ምስ እትብላሾ’ውን ነቲ ዝተበላሸወ ኣካል ብቐሊሉ ኣለሊኻ ንምጽጋን ምችእቲ ከምዝኾነት ወሲኾም ኣረዲኦም። እዛ ማሽን ከም መፈተኒ ንሓንቲ ስድራ ከተገልግል ተባሂላ ከምዝተዳለወት ዝገለጹ ሰናዕታ፡ ኣብ ቀጻሊ መጠና ብምዕባይ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓላታት ከም ውራይ፡ መዓስከራት፡ ኮለጃትን ካልእን ኣብ ጥቕሚ ንምዋዓላን ካልእ ዓይነት መግብታት ከተዳሉ፡ ባዕላ ሽጉርቲ ከምትመተርን ነብሳ ከተጽሪን ንምግባራ ከምኡ’ውን ብብሉቱዝ፡ ዋይ ፋይን ናታ መተግበሪ ብምድላውን ብናይ ርሕቐት መቆጻጸሪ ብትእዛዛ ከም እትሰርሕ ንምግባራን መደብ ከምዘለዎም ኣብሪሆም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG