No media source currently available
ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ከምኡ ድማ ኣብ መርዓን ካልኦት ማሕበራዊ ዋኒናትን ባህላዊ ክዳውንቲ ምኽዳን ልሙድ እዩ። ኣብ ምድላውን ስራሕ ባህላዊ ክዳውንቲ ዝነጥፉ ሰብ ሞያ እውን ነዞም መዓልታት ኣብ ግምት ዘእትው ምንቅስቓሳት ይካይዱ። ንቕነ ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ሰፈይቲ ባህላዊ ክዳውንቲ ንምዕቃብ ባህሊ ዝገብሩዎ ፃዕሪ እንታይ ይመስል ንዝብል በዓል ሞያ ቅዲ፣ ሰፋይን ጠላፍን ባህላዊ ክዳውንቲ ክብረኣብ ኪዳነማርያም ኣዘራሪብናዮ ኣለና።