ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ምስ ኣብነታዊት መንእሰይን ደራሲት ኣርባዕተ መጻሕፍቲን ይብረአለም ሃይሉ


ይብረኣለም ሃይሉ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ተወሊዳ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብኡ ተማሂራ፡፡ 9ይን 10ይ ክፍሊ ኣብ ሓውዜን ከተማ ምስ ተምሃረት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ብዓውዲ ትያትር ተመሪቃ፡፡ ይብራለም ገና ብንእስነታ እዮም ወለዳ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮሙዋ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ሓላፍነት ምዕባይ ኣርባዕተ ኣሓታ ናብኣ’ዩ ወዲቑ ፡፡

ይብራኣለም ዘኽቲማን ዘኽታማት ቆልዑን ሒዛን እያ ከቢድ ግጥም ናብራ ምግጣም ዝጀመረት፡፡ ይኹን ደ አ እምበር ዝክትምና ከየጸገማ ኣብ ግዜ ንእስነታ ተደጉሉ ዝነበረ ስምዒትን ድልየትን ስነ ፅሑፍ ንምምላእ ኣብ ብ2001 ዓ.ም ስውር ሽፍታ፣ ብ2002 ዓ.ም ግጥምጥም፣ ብ2003 ዓ.ም ኣጉል ክምስታን ብ 2009 ዓ.ም ድማ ጡዑም መርዝን ዝብሉ ብድምር ኣርባዕተ ነዋሕቲ ልብ ወለድ መጽሓፍቲ ጽሒፋ ንንባብ ኣብቒዓ፡፡

ምስ መንእሰይ ይብረኣለም ሃይሉ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG