ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ምስ ተርጓሚ መጽሓፍ “ፍቕሪ ክሳብ መቓብር” መም/ኣለም ዘርኣይ


ዕላል ምስ ተርጓሚ መጽሓፍ 'ፍቅሪ ክሳብ መቃብር' መም/ኣለም ዘርኣይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:26 0:00

ዕላል ምስ ተርጓሚ መጽሓፍ 'ፍቅሪ ክሳብ መቃብር' መም/ኣለም ዘርኣይ

ኣብ ፈለማ 60ታት ብኣርካን ኢትዮጵያዊ ደራሲ ሃዲስ ኣለማየሁ ዝተጻሕፈትን ብብዙሓት ጸሓፍትን ኣንበብትን ዓቢ ኣድናቖትን ተቀባልናትን ዝረከበት “ፍቅር እስከ መቃብር’ ዘርእስታ ኣፍሪቃዊ መበቆላዊት መጽሓፍ ፡ብ12 ሕዳር ብመምህር ኣለም ዘርኣይ ናብ ትግርኛ ተተርጕማ ናብ ኣንበብቲ ተዘርጊሓ’ላ ።

መም/ኣለም ዘራኣይ ዓይነ-ስውር ክንሱ ነዚ ዓቢን ዓሚቝ ትሕዝቶ ዘለዎን ክላሲካዊ ልብ-ወለዳዊ መጽሓፍ ክትርጉም ምብቅዑ ክምስገን ከምዝግብኦ ብምግላጽ ከምዚ ዓይነት ናይ ትርጉም ስራሕ ኣብ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዝገብር ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቡ ስነ ጥበበኛታት ገሊጾም ።

መም/ኣለም “ነቲ መበቆላዊ መጽሓፍ ከንብቦ ዕድል ‘ኳ እንተዘይረኸብኩ ፡ብድምጺ ዝተተረኸ ቅዳሕ ዛንታ ናይቲ መጽሓፍ ብምርካበይ በቲ ትሕዝቶኣን ኣዘንታትዋ ን ተመሲጠ ናብ ትግርኛ ክትርጉማ ክኢለ “ክበል ተዛሪቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG