ኣስመራ —
ስነ-ጥበበኛ ጀማል ሳልሕ ብንእሽቶኡ ኣብ መድረኽ ድራማ ብምውሳእ’ዩ ስነ-ጥበባዊ ሂወቱ ጀሚሩ። ን35 ዓመታት ከኣ ከም ተዋሳኣይ፡ደራስን ኣላይን ናይ መድረኽ ድራማን ፊልምን ኮይኑ ሰሪሑዩ።
ቅድሚ ናጽነት 'ምስቅልቅል' ከምኡ ድማ 'ረመጽ' ዝብላ ድራማታት ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ ናጽነት ከኣ ምስ ማሕበር ትያትር መርከብ ሰማእታት ብርክት ዝበሉ ስርሓት ናብ ህዝቢ ከምዘቕረበ ዝገልጽ ስነጥበበኛ ጀማል፡ምስ ህዝቢ ዘላለየቶ 'ራውያ' ብዛዕባ ትብል ስርሑ ብምግላጽ ዕላሉ ይጅምር።
ምሉእ ትሕዝቶ ምስ ስነ ጥበባዊ ጀማል ሳልሕ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።