ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓዲ ግራት፡ ጸልማት ጉልባብ ዝገበረ ክትራን ክትራን በዚሑ ምንባሩ ተገሊጹ


ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ኣይተ ገብረመድህን ስዩም
ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ኣይተ ገብረመድህን ስዩም

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ፀልማት ጉልባብ ጌርካ ምክታር፡ ምውቃዕ፣ ምሕናቅ፣ምስራቕን ካልኦት ንሰላም ከተማና ዝዘርጉ ተግባራት እናተባራከቱ ብምኳዶም ህዝብና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ውልቐ ሰባት ፅዑቅ ጎስጓስ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም።ብመሰረት እዚ ካብ ክልል፣ዞባን ከተማን ዝተወፅኣ ሰለስተ ኮሚቴ ብምጥያሽ መፅናዕቲ ነካይድ ኣለና ክብሉ ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ኣይተ ገብረመድህን ስዩም ኣፍሊጦም።

ኣይተ ገብረመድህን ስዩም ድሕሪ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ኣካላት ፀጥታ ናብ ምግምጋም ኢና ኣቲና ይብሉ።

" ፈለማ ኮር ኣመራርሓ ፖሊስ ከተማና ኢና ምፍታሽ ጀሚርና ካብ ሓላፊ ምርመራ ገበን ጀሚሩ ድማ ፀገም ፀኒሑ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ተገይሩ እዩ።"

ብዘይካ እዚ 131 መናእሰይ ኣብዚ ክትራን ዝተዋፈሩ ምህላዎም ኣብ መፅናዕቲ ረኪብና፣ ባጃጃት፣መካይን፣ገዛውቲ ከይተረፈ ኣብዚ ፀልማት ጉልባት ገይርካ ዝካየድ ክትራን ከምዝተዋደዱ ንምርኣይ ኪኢልና ክብሉ ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራተ ኣይተ ገብረመድህን ስዩም የረድኡ።

ኣብዚ ምፅራይ ዝተፈላለየ መቕጻዕቲ ዝተውሃቦም ከባቢ 25 አባላት ፖሊስ ከምዘለው እውን ወሲኮም ሓቢሮም።

ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ዓዲ ግራት ደክተር ቴድሮስ ፍስሃ ብወገኖም ቅድሚ መድረኻት ህዝቢ ምክያዱ ኣብ ስራሕ እውን ይፅገሙ ምንባሮም ብምክንያት ክትራን ክሳብ ሞት ዝበፅሕ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ዶክተር ቴድሮስ ይዛረቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓዲ ግራት፡ ጸልማት ጉልባብ ዝገበረ ክትራን ይበዝሕ ምህላው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:01 0:00

XS
SM
MD
LG