ዋሽንግተን —
`እምባታት ዓደይ`ን : `ገነት`ያ ፍቕር`ን ብዝብላን ካልኦትን ደርፍታት ዝፍለጥ ዓንዶም ወዲ-ቀሺ፡ ዝሓለፈ ክረምቲ “ጦፍ” ትብል ሓዳሽ መጽሓፍ ኣብ ኣስመራ ኣመሪቑ ኔሩ።
“ ጦፍ ” ካብን ናብን ኣገዳሲ መልእኽትታት ብኣገደስቲ ሰባት ዝፍጸም ዘሰምዕ ምዃኑ ዝገልጽ ስነ-ጥበባዊ ዓንዶም፡ ጦፍ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ረዚን ትርጉም ዝሕዝ ምዃኑ ይገልጽ።
ድሕሪ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ምረቓ መጽሓፉ ሕጂ`ውን ኣብ ኖርወይ ሰፊሕ መደብ የዳልው ከምዘሎ ሓቢሩ`ሎ፡
ምስ ዓንዶም ገብረስላሰ (ወዲ ቀሺ) ዝተገብረ ዕላል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።