ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓብደላ ሓምዶክ ምስ ወተሃደራዊ ክንፊ ንኽዛተዩ ቅድመ-ኵነት የቕርቡ


ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ
ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ

ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መዝነቶም ብወተሃደራዊ ዕልዋ ዝተኣልዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ናብ ዘተ ክቐርቡ እንተዀይኖም እሱራት ክፍትሑን ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦታኡ ክምለስን ከም ዝጠልቡ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ፡፡

ሓምዶክ ካብ መዝነቶም ዝተኣልዩሉ 25 ጥቅምቲ ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ገዛ’ዮም ዝርከቡ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ነቲ ስጕምቲ ዝወሰዱ ኣብ ሲቪላዊ መንግስቲ ዝነበረ ምክፍፋል ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይዓርግ ስለ ዝሰግኡ ምዃኖም የመልክቱ። ብሞያውያን ዝቐውም ሓድሽ መንግስቲ ክምስርቱን ነቲ ዝመጽእ መንግስቲ ድማ ዓብደላ ሓምዶክ ክመርሕዎ ሓሳብ ከም ዘለዎምን ጀነራል ቡርሃን ይገልጹ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘመልክቶ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዘሎ ሽምግልና ውጽኢት ክህብ ተስፋ ተነቢሩዎ ኣሎ።

ኣመሪካ’ውን ብመገዲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን ኣቢላ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ትከታተሎ ከም ዘላ ይፍለጥ። ኣምባሳድር ፈልትማን ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን ንዓብደላ ሓምዶክ ኣብቲ ዝመጽእ መንግስቲ ስልጣን ምሃብ ነቲ ጉዳያት ክፈትሖ ከምዘይክእል ይዛረቡ።

XS
SM
MD
LG