ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ምጅማሩ ይግለጽ ኣሎ


ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ምጅማሩ ይግለጽ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:51 0:00

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ምጅማሩ ይግለጽ ኣሎ

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ማይ ምምላእ ምጅማሩ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ዘረጋገፁ ናይ ኢትዮጵያ ማይ፣መስኖን ኢነርጂን ሚንስትር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ይውህለል ዘሎ ማይ ናይቲ ህንፀት ናይ ተፈጥሮ ኩነት ዝሓለወ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

"እቶም ሚንስትር ገሊፆምለይ’’ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ እቲ ኣብ ግድብ ይመልእ ዘሎ ይዘንብ ብዘሎ ከቢድ ዝናብ ናብቲ ሩባ ዝኣትው ማይ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ስዓት ምምላእ ግድብ ብዝምልከት ብሳተላይት ዝርኣዩ ዘለው ምስልታት ትኽክለኛ ምዃኖም እቶም ሚንስትር ገሊፆም ኣለው።

ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ልዝብ ንረብሓ ናይ ሎሚ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመፃኢ ወለዶ ረብሓ ዝሕሉ ከምዝኾነ ኢንጂነር ስለሺ ገሊፆም።

ኣብ ዙሪያ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ሓዊሱ ካብ ኬንያ፣ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ማሊ፣ማዳጋስካርን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተዋፅኡ 11 ሰብ ሞያ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ተኻይዱ ኣብ ዝተወሰኑ ነጥብታት ምርድዳእ ምብፅሑ ምሕባሮም ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ፀብፂቡ ኣሎ።

ናይ ሱዳን ሚንስትር መስኖ ኣል ዳይም ኣብ ዝተባህለ መደብር ኣብ መዓልቲ ናይ 90 ሚሊዮን ኩቢክ ሜትር ማይ ከምዝነከየ ብምግላፀ ናይቲ ግድብ በርታት ምዕፃዎም ዘረጋግፅ እዩ ኢሉ። እዚ ጉዳይ ብተወሳኺ ሱዳን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ፃዕርታት ኣብዝቐፀለሉ ዝውሰድ ብሕታዊ ስጉምቲ ከም እትነፅጎ እቶም ናይ ሱዳን ሚንስትር ገሊፆም።እዚ ጉዳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ ወጥሪ ዘእተወን ገሊኦም ናብ ወታደራዊ ረፅሚ ከየምርሕ ዝሰግእሉን ኮይኑ ካይሮ ብቅፅበት መብርሂ ክውሃባ ሓቲታ ኣላ።

XS
SM
MD
LG