ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓበይቲ ፍጻመታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና


ኣብ ፓኪስታን ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብምውሳኹ፡ ሓዲሽ ዙር ምዕጻው ክተተግብር ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቲቱ።

ኣብ ፑንጃብ ትብሃል ዝዓበየት ግዝኣት ፓኪስታን ዝርከብ ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘሕልፎ መልእኽቲ፥ ፓኪስታን ክልተ ሰሙን በብእብረ ክትከፍትን መርመራታት ናብ ኣብ መዓልቲ 50 ሺሕ ን ክተዛይድን መኺሩ። ፓኪስታን ልዕሊ 113 ሺሕ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ልዕሊ 2,000 ድማ ዝሞቱ መዝጊባ`ላ-።

ቀ/ሚ`ታ ሃገር ኢምራን ካን፥ ምዕጻው ኣብ ኤኮኖሚ`ታ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ኣዕናዊ ሳዕቤን ሰለዘለዎ ብዝብል ኣይንዓጹን ኢና ክብል ኣፍሊጡ`ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ። ኣሜሪካ ኣብ`ታ ቫይረስኮሮና ዝጀመረላ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝነበራ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈታ ዳግም ከፊታቶ።

ሃገራት ካብ ምዕጻው ኤኮኖሚኤን ኣብ ዝወጻሉ ዘለዋ እዋን፥ ላዕላዋይ ክኢላ ተላገብቲ ሕማማት ኣሜሪካ ግን እቲ ሕማም ገና እናማዕበለ`ዩ ክብል ምጥንቃቑ ቐጺሉ`ሎ።

ብራዚል ድማ ንመዓልታዊ ጸብጻብ ቫይረስኮሮና ካብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ (ወብሳይታ) ኣውጺኣቶ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ብዝሃቦ ውሳነ ከም ዝምለስ ኮይኑ`ሎ።

ብራዚል ኣብ ዓለም ብቑጽሪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ድሕሪ ኣመሪካ ካልኣይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር `ኳ እንተኾነት፥ ሰዓቢ የማናዊ ክንፊ ፕረዚደንታ ግን፡ ካብ ንእሽቶ እንፍልወንዛ ዝፍለ ኣይኮነን እንበለ ከነኣእሶ ጸኒሑ`ሎ።

ሞስኮ ንክልተ ወርሒ ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሰሙን ናብ ንቡር ተመሊሳ`ላ- ሰበ-ስልጣን ሩስያ መብዛሕቲኡ ኣብያተ ንግዲ ክኽፈትን፥ ኣብታ ርእሰ ከተማ ተዓጽዮም ዝነበሩ 12 ሚልዮን ህዝቢ ክወጹን ኣፍቂዶምሎም ኣለዉ። ከንቲባ ሞስኮ፥ እቲ ለበዳ ቀስ እናበለ ከምዝጎድል ስለዝገበርና ነቲ ስጉምቲ ምኽፋት ክንወስድ ክኢልና ኣለና ኢሉ።

ኣብ ከተማ ሞስኮ እቲ ናይ ምዕጻው እገዳ ክልዓል ክኢሉ ዘሎ ቁጽሪ መዓልታዊ ብቫይረስኮሮና ምትሓዞም ዝተመዝገቡ ናብ ፍርቂ ስለዝጎደለ`ዩ ።

እቲ እገዳ ናይ ምልዓል ስጉምትታት ዝውሰድ ዘሎ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብሰንኪ`ቲ ለበዳ ተሰናኺሉ ዝነበረ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ውራያት ንምግባር ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን`ዩ- ሓደ ካብኡ፥ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ዝተዓወትሉ መበል 75 ዓመት ገዚፍ ወተሃደራዊ ምርኢት`ዩ። ሕጂ ኣብዚ ወርሒ ሰነ-24 ክካየድ ተመዲቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG