ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዓባይ ሃገር ከይፈጠርካ ዓብዪ ህዝቢ ምፍጣር ስለዘይክኣል ቀዳማይ ተግባርና ንኢትዮጵያ ምህናፅ'ዩ' ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ኣብ ክልል ደቡብ ዞባታት ካምባታ፣ጣምባሮን ሃላባን ትማሊ ረቡዕ ምስ ህዝቢ ዝተዘራረቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዓባይ ሃገር ከይፈጠርካ ዓብዪ ህዝቢ ምፍጣር ስለዘይክኣል ቀዳማይ ተግባርና ንኢትዮጵያ ምህናፅ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ።

ንሶም ወሲኾም’ተዋጊእናን ተኸፋፊልናን ዝኸሰበናዮ ድኽነትን ድሕረትን ስለዝኾነ ካብኡ ወፂእና ሎሚ ንነገራት ብህድኣት እንርእየሉ እዋን እዩ’’ኢሎም።

ኣብ ዋና ከተማታት ናይተን ዞባታት ከተማታታ ዱራሜን ቁልቶን ምስ ህዝቢ ዝዘተዩ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምምስራት ዓባይ ሃገር ዝብል ሓሳብ ኣስሚሮምሉ።

“ምምስራት ዓባይ ሃገር ረብሕኡ ንኹላትና ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና። ብዘይካ ዓባይ ሃገር ዓብይ ህዝቢ ኣይህሉን።ውልቀሰብ ንማሕበረሰብ ከፍርስ የብሉን ማሕበረሰብ እውን ንሃገር ክፍርስ የብሉን።”

“ተዋጊእናን ተኸፋፊልናን ሪኢናዮ ዝኸሰበናዮ ድኽነትን ድሕረትን ስለዝኾነ ካብኡ ወፂእና ሎሚ ንነገራት ብህድኣት እንርእየሉ እዋን ኢና ንርከብ” ኢሎም።

ቀ/ ሚ ኣብይ ቀጺሎም ኢትዮጵያ ካብ ድኽነትን ካብ እትርከበሉ ፀገምን ንምውፃእ ሰላማዊ ኣገባብ ምኽታል ከምዝግባእ ገሊፆም።ንድኽነት ምጥፋእ፣ምዕዋትን ንምብልጻግን ዝክኣል ብሓባር ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ ከምባታ ጣምባሮ ህዝቢ ኣብ ናይታ ሃገር ታሪኽ ዝነበሮ ተራ ብምጥቓስ ንኢዶም ኣለው።

“ከምባታ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሰናይ ነገር ካብ ዝዘረበልኩም ህዝብታት ብፅቡቕ ካብ ዝልዓሉ ህዝብታት ጣምባሮ፣ምስ ዶምቢ ምንዳፉ ተደሚሩ ለምለም ሃገር ምፍጣር ዝኽኣለ ድንቂ ህዝቢ እዩ።”

ኣብ ሃላባ ምስ ህዝቢ ኣብዘካየድዎ ዘተ ህዝቢ ሃላባ ሰላም ኣብ ምሕያል ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ዶ/ር ኣብይ ፀዊዖም።

ብክልል ናይ ምውዳብ መሰል ብዝምልከት ካብ ነበርቲ ዞባ ካምባታ ጣምባሮ ዝቐረበሎም ሕቶ እቲ ሕቶ ብመፅናዕቲ ንምምላስ ይስርሓሉ ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG