No media source currently available
ኣብ 1619 ክልተ ኣውሮጳዊያን መራኽብ ምስ ፍሉይ ጽዕነት ኣብ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበረት ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ኣሜሪካ በጺሓን። እቲ ጽዕነት ብውሑዱ 20 ዝኾኑ ጊልያታት ኣፍሪቃዊያን ኔሮም- መጀመርያ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተው ኣፍሪቃዊያን። እዞም ተታሒዞም ብጊልያነት ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ኣፍሪቃዊያን ካብዚ ሎሚ ሃገረ ኣንጎላ ዝመጹ ኔሮም። ሎሚ ዓመት እዞም ቀዳሞት ብጊልያነት ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ኣፍሪቃዊያን መበል 400 ዓመት’ዩ።