ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓበይቲ ፍጻመታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ቫይረስኮሮና


ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ ምሉእ ንምሉእ ክትከፍት`ያ- ኣብያተ መግቢ ኮነ ካሲኖታት- ግን ኣብ ትሕቲ ጽኑሕ መምርሕታት ዮም ዝኽፈቱ ዘለው። እዚ ዝኸውን ዘሎ- ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ምዕጻው ምክልኻል ኮሮናቫይረስ`ዩ።

ፕረዚደንት ስሪል-ራማፎሳ ትማሊ ረቡዕ ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እቲ ስጉምቲ ምኽፋት ኣብያተ ንግዲ ዝውሰድ ዘሎ፥ ምስ ወከልቲ ኢንዱስትሪታት ድሕሪ ምምኽኻርን፥ ካብ ሳይንቲስትታት ምኽሪ ድሕሪ ምስማዕን`ዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ራማፎሳ ኣተሓሒዙ፥ ነቲ ቫይረስ ኣብ ምዝሓል ዝዓለመ ኣካይዳ ኩሉ እንተተኸቲልዎ፥ ከም ሲነማታት ዝበላ ኣብያተ ንግዲ`ውን ከም ዝኽፈታ ኣፍሊጡ`ሎ። ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 80 ሺሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ - ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 1,600 መዝጊባ`ያ።

​እዚ ከምዚ ኢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገራ ንዘሎ ምትሕልላፍ ቫይረስ ኮሮና ኣጥፊኤዮ`የ ክትብል ዝጸንሐት ኒውዚላንድ፥ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ሳልሳይ ዝተታሕዘ ሰብ ረኺባ። በዚ ድማ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣትዉ ተወሳኺ ምቁጽጻር ክትገብር ወሲና`ላ። እቶም ሰለስተ ሰባት ካብ ካልኦት ሃገራት ብበረራ ዝኣተዉ ምዃኖም ዘፍለጠት ኒውዚላንድ፥ ካብተን ሃገራት ሓንቲ ፓኪስታን ምዃና ኣፍሊጣ`ላ።

ህንዲ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሑ -ትማሊ- 12, 881 መዝጊባ`ላ:በዚ ድማ ድሕሪ ኣሜሪካ፥ ብራዚልን ሩስያን ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 10 ዝኾና ግዝኣታት ልዑል ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና መዝጊበን ኣለዋ- ቁጽሪ ሞት ግን ኣብዛ ሃገር እናንቆልቆለ ይኸይድ ምህላው ተገሊጹ። ዝመጽእ ቀዳም ፕረዚደንት ትራምፕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክገብረላ መዲቡ ዘሎ ክፍለግዝኣት ኦክላሃማ፥ ትማሊ ረቡዕ 259 ሓደሽቲ ዝተታሕዙ ኣፍሊጣ`ላ።

ቴክሳስ ድማ 3,100 ሓደሽቲ ዝተታሕዙ ኣፍሊጣ-። ካሊፎርንያ ድማ ንመጀምርያ ግዜ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ 4000 ዝተታሕዙ ኣፍሊጣ።

ብኻልእ ወገን ግን፡ ቁጽሪ ሞት ንሸውዓተ ተኸታታሊ መዓልታት ናብ ትሕቲ 1000 ጎዲሎ`ሎ። ዝያዳ ተጎዲኣ ዝነበረት ኒው ዮርክ ትማሊ 17 ሞት ብምፍላጣ- እቲ ለበዳ ካብ ዝባራዕ- ዝተሓተ ዝሞትሉ መዓልቲ`ዩ ክብል -ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኔው ዮርክ- ኤንድሩ ኮሞ ኣዊጁ`ሎ።

XS
SM
MD
LG