ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓበይቲ ፍጻመታት ዓለምን ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና


ደቡብ ኮርያ ፥ ኣብ ሃገራ ፍሉጥ ዝኾነ `በይዝ ቦል` ዝብሃል ዓይነት ስፖርት ናብ ጸወታ ክምለስ ኣፍቂዳ። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ 500 ሓደሽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ እተፍልጥ ዝነበረት ደቡብ ኮርያ፥ ሎሚ ሰሉስ 3 ሓደሽቲ ጥራይ ምርካባ’ውን ኣፍሊጣ።

ብኻልእ ወገን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ብርክት ዝበላ ክፍለ-ግዝኣታት፡ ዝተወሰኑ ኣብያተ-ንግዲ ክኽፈታ የፍቅዳ`ለዋ።

ደቡብ ኮርያ ንቁጽሪ ዝርግሐ`ቲ ለበዳ ቁልቁል ንምውራድ ጽዑቕ መርመራታትን ካልኦት ከም ብስማርት ኣፕ ዝሕገዙ መሓበሪታትን`ውን ክትጥቀም ጸኒሓ’ያ ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ውድድራት ስፖርት ዓለም ደስኪሉ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን፡ ናይ ደቡብ ኮርያ በይዝ ቦል ስፓርት ካብ ዝተመልሱ ቀዳሞት ሓደ ኮይኑ `ሎ። ኣብ ስታድየማት ክጽወት ከሎ ብተሌቪዥን ኣመሪካ`ውን ከም ዝመሓላለፍ ኮይኑ-ዩ- ተዓዛባይ ህዝቢ ግን ዳርጋ ኣይነበረን።

ናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ በይዝቦል ሊግ ድሕሪ ጽባሕ ሓሙስ ፕሮግራሙ ከፍልጥ መደብ ኣለዎ-ግን ኣብ ለንደንን ኣብ ከተማ ሜክሲኮን ዝነበሮ ፕሮግራም ኣብዚ እዋን ከከይዶ ከምዘይኮነ ገሊጹ’ሎ።


ነውዝላንድን ኣውስትራልያን`ውን ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት ምንካይ ቫይረስ ኮሮና ይሕብራ`ለዋ- ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት መገሻታት ክኸፍታ`ውን መደባት የውጽኣ`ለዋ።

ካልእ ትማሊ ሰኑይ፥ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝምራሕ ዘሎን ንኮቪድ-19 ክታበት ንምምሃዝን ዝዓለመን- 8 ቢልየን ዶላር ንምውጻእ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ንምድጋፍ ዓለማዊ ምትሕብባር ተራእዩ`ሎ።

40 ሃገራት- ለገስቲ ውድባት ዝርከብአን- ከምኡ`ውን ውልቀሰባት-ገንዘቦም የበርክቱ-ለዉ- $1 ቢልየን ካብ ኮሚሽን ኣውሮጳ - $1 ቢልየን ካብ ኖርወይ፥ $800 ሚልየን ካብ ጃፓን፥ ከምኡ ካብ ፈረንሳ፥ ጀርመንን ስዑዲ ዓረብን ድማ ነፍስወከፈን- $ 500 ሚልየን ዶላር ተአኻኺቡ’ሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣንጻር`ቲ ሓደገኛ ቫይረስ ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ዘርኢ`ዩ ብምባልነቲ ጻዕሪ ንኢድዎ`ሎ- ።

ኣሜሪካ ግን ኣብ`ቲ ወፍሪ ኣይተሳተፈትን። ሓደ ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ ኣሜሪካ ከም ግበረ-መልሲ ኣንጻር ኮቪድ 19፥ ንዓለማዊ-ጥዕና፡ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ሓገዝ $ 2.4 ቢልዮን ትሕግዝ ኣላ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ናብዚ ናብ ኣሜሪካ:ሲዲሲ ማለት ማእከል ምቁጽጻር ተላገብቲ ሕማማት ዝተባህለ መንግስታዊ ትካል ኣመሪካ፥ ክሳብ ወርሒ ሰነ- ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት በብመዓልቱ ብዕጽፊ እናወሰኸ ክኸይድ`ዩ ክብል ንዘቕረቦ ፖርት፥ ዋይት ሃውስ ብዙሕ ኣይተቐበሎን።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጁድ ዲሪ፥ ትማሊ ክትምልስ ከላ፥ እቲ ዝተባህለ፥ ናይ ዋይት ሃውስ ሰነድ ኣይኮነን- ናብ ሓይሊ ዕማም ዋይት ሃውስ ዝቐረበ ሰነድ`ውን ኣይኮነን - ምስ ናትና ኣሃዝን መጽናዕትን`ውን ዝሳነ ኣሃዝ ኣይኮነን ብምባል ኣቃሊላቶ።

እቲ ጸብጻብ ሲዲሲ ማለት ማእከል ቁጽጽር ተላገብቲ ሕማማት፥ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ሰሙናት ቁጽሪ ሞት፥ መዓልታዊ 3000 ክበጽሕ`ይኽእል`ዩ ዝብል ትንቢት `ዩ ሂቡ ኔሩ። ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ሕጂ ዘሎ ቁጽሪ ሞት ንመዓልቲ 1,750`ዩ።

ተመራመርቲ ከም ሓደ ምኽንያት ወሰኽ ሞት ዘቕርብዎ፥ ኣብ`ዛ ሃገር ማዕበራዊ ምፍንታት ስለዝፈኾሰ ዝብል`ዩ።

ኣሜሪካ ንሸውዓተ ሰሙናት ነቲ ቫይረስ ክትዋጋ`ያ ትደሊ- ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ኣብ ገዛኻ ምዕጻው ዝብል መምርሒኡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብቂዕዎ`ዩ።

ብዙሓት ግዝኣታት ነቲ ዕጽዋ ብምፍኳስ ገለ ኣብያተ-ንግዲ ከምዝኽፈታ ጌረን`የን።

ኣመሓዳሪ`ታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ክፍለ ግዝ ኣት ካሊፎርንያ`ውን- ነቲ ቫይረስ ኣብ ምዕጋት ጽቡቕ ገስጊስና ኢና ብምባል-ካብ ዝመጽእ`ዚ ዓርቢ ጀሚሩ- ድሕነቱ ዝሓለወ ምኽፋት ድኳናት ከምዝግበር ኣፍሊጡ`ሎ።

ባይቶ ኣሜሪካ፥ ንምላሽ`ቲ ቅልውላው ተወሳኺ ስጉምቲ ኣብ ዝሓስበሉ ዘሎ እዋን፥ መራሕቲ ደሞክራቲክ ፓርቲ፡ ኣባላት ምምሕዳር ዋይት ሃውስ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ቀሪቦም ምስክርነቶም ከይህቡ- ዋይት ሃውስ ይኽልክሎም ኣሎ ክብሉ ይቃወሙ`ለዉ።

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ናንሲ ፐሎሲ ንመደበር ቴሌቭዥን ሲ-አን-አን ክትዛረብ ከላ፥ ተወሳኺ ገንዘብ ንኽምድብ ካብቲ ምምሕዳር ተወሳኺ መብርሂ ንደሊ ኣለና ኢላ። ኣብ ሰነት መራሒ ውሑዳን ፓርቲ ሻክ ሹመር`ውን፥ ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ ንጥዕናውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ዘናውሕ ጥራይ`ዩ ክብል ነቒፉ።

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዛጊት ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን ሓደ ሚእቲ ሽሕን ዝሞቱ ድማ ከባቢ 70 ሺሕ በጺሖም ኣለዉ።

ኣብ ዙርያ ዓለም- ቁጽሪ ዝተታሕዙ- 3.6 ሚልየን- ዝሞቱ ልዕሊ 250 ሺሕተመዝጊቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG