ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ትግራይ መናእሰይ ተጠቀምቲ ዝገብር ስራሓት ኣብ ትምህርቲ፣ ሰርከስን ሙዚቃን ይሰርሕ ኣሎ።
እቲ ትካል በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናበ ትግራይ ንዝመፁ እንግዶት ምሳሕን ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲን ኣበርኪቱ።
እቲ ትካል ቅድሚ 14 ዓመት ዝተጣየሸ ኣብ ትግራይ መናእሰይ ትምህርቲ ክረኽቡ ጠመተ ገይሩ ዝስርሕ እዩ። እዚ ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ዝተበሃለ ገባሪ ሰናይ EYES ብዝብል ኣህፅሮተ ቃል ይፍለጥ።
ካብ ከባቢ ጅማ ተመዛቢሉ ዝመፀ መኮነን ተካ በዓል ልደት ምስ EYES እናብዓለ ረኺበዮ። ትምህርቱ 8ይ ክፍሊ ከምዘቋረፀ ድማ ይዛረብ።
እቲ ትካል ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ብምትሕብባር እዩ ነዞም ተመዛበልቲ ወገናት ዝሕግዝ ዘሎ: ብፍላይ ድማ መናእሰይን ህፃናትን ትምህሮቶም ከየቋርፆ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ምቕራብ ይሕግዝ ዘሎ።
EYES ኣብ ሙዚቃን ሰርከስን ንዝነጥፉ ካልኦት መናእሰይ እውን ይሕግዝ እዩ።
ብመዳይ ሙዚቃ ሓገዝ ካብ ዝግበረሎም ጎይተኦም ገብረእግዚኣብሄር ከምዝተዛረቦ ሙዚቀኛታታት ሓገዝ እናተገበረሎም ዓቕሞም ከዕብዩን ተጠቀምቲ ክኾኑ እቲ ትካል ከምዝሕግዝ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ሰርከስ ድማ ናብ ወፃኢ ዓዲ ከይዶም ምርኢት ከቕርቡ ዝኽእልሉ ዕድል ከምዝተፈጠረሎም እዩ ገሊፁ።
ኣካያዲ ስራሕ ትምህርታዊ ሓገዘ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ኣይተ ብስራት መስፍን ትካሎም ኣብ መናእሰይ ጠመተ ገይሩ ዝሰርሓሉ ምኽንያት ቀፃሊ ተስፋ ሃገር ዝኾኑ መናእሰይ ብቑዓት ክኾኑ ንምግባር እዩ ኢሎም።
ዓቕሚ መናእሰይ ንምዕባይ ድማ እቲ ቐንዲ ትምህርቲ ብምዃኑ ንትምህርቲ ኢና ጠመተ ንገብር ኢሎም።
ብተወሳኺ ድማ ድልየት መናእሰይ መሰረት ብምግባር ኣብ ሰርከስን ሙዚቃን ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።