ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቓብ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 28 ወታሃደራት ክሲ ምምስራቱ ኣፍሊጡ


ወታሃደራዊ ዓቃቢ ሕጊ ንደቂ ኣንስትዮ ይዕምፁ ነይሮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሰለስተ ወተሃደራት ገበነኛታት ክብል ከሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ስዒቡ ኣብ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ተሳቲፎም ንዝበሎም 28 ተጠርጠርቲ ወተሃደራት ክሲ ምምስራቱ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ገሊፁ ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ወሲኹ ምስ ምዕማፅ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ፆታዊ መጥቓዕትታትን ተኣሳሲሩ ዝተጠርጠሩ 25 ተወሰኽቲ ወተሃደራት'ውን ክሲ ምምስራቱ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ ።

እቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዝወፀ መግለፂ ከምዘረጋገፆ ኣብቲ ኽልል ክልተ ጨፍጫፋት'ውን ምፍፃሞም ሓቢሩ እዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንኒውዮርክ ታይምስ ዝሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ ሲሞን ማርክስ ዘይሚዛናዊ ፀብፃብ ሰሪሕካ ብዝብል ፍቃድ ስርሑ ተሓዲጉ ድሕሪ ምፅንሑ ጠቅሊሉ ካብ ኢትዮጵያ ምብራሩ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣረጋጊፆም ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክነብር ዝፀንሐ ጋዜጠኛ ሲሞን ማርክስ ካብታ ሃገር ምብራሩ ሪፖርተራት ዶብ ኣልቦ ኮኒኖሞ እዮም ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ጋዜጠኛ ወፃኢ ከባርሩ ንፈለማ እዋን እዋን ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ'ሎ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG