ዓቓቢ ሕጊ ኢጣልያ ብክሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ኢጣልያ ንዝተወስደ ክሱስ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያ በርሃ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።
ዓቓብ ሕጊ ነቲ ትክክለኛ ሰባት ኣብ ምስግጋር ዝነጥፍ ሰብ ኣይኮነን ኣብ ቐይዲ ዘሎ ዝብል ሞጎተ'ውን ነጺግዎ'ሎ።
ጥርጡር መድሃኔ ይህደጎ መርዕድ ክኸውን ከሎ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቐይዲ ዝርከብ ድማ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሃ ዝተባህለ ኣብ ሱዳን ብስደት ዝነብር ዝነበረ መንእሰይ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ገለ በቲ ጥርጡር ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ዝበጸሑ ስደተኛታት ስድራቤት ኣብ ቐይዲ ዘሎ ጥርጡር ከምዘይኾነ ምስክርነቶም እንተሃቡ'ዃ ዓቓቢ ሕጊ ኢጣልያ ኮሌሮ ፌረራን ክላውድዮ ካሚስሪን ግን እቲ ሓቐኛ ጥርጡር ኣብ ቐይዲ ዘሎ'ዩ ዝተጋገየ እቲ ቕድሚ ምእሳር ጥርጡር ዝወጸ ምስሊ'ዩ ክብሉ ይሕብሩ።
ስለዝኾነ ድማ ክሱስ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ወይ ድማ 56,180 ዶላር መቕጻዕቲ ክፍረድ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።
ዓቓብ ሕጊ ተሓባበርቲ መርዕድ'ዮም ንዝበሎም ሰለስተ ሰባት ኣፎም ኢያሱ: ዓንደብርሃን ታረቐን ኦሮና ስዒድን ብተመሳሳሊ ናይ 10 ዓመታት ማእሰርቲ ወይ 40,000 ዩሮ ክቕጽዑ ጸዊዑ'ሎ።
ጠበቓታት ክሱሳት ነቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ወርሒ ሓለ ከምዝዛዘም ቤት ፍርዲ'ውን ውሳነኡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ክህብ ትጽቢት ከምዘሎ ይገልጹ።