ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቓቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ክሲ ከምዝምስርት ሓቢሩ


ዋና ዓቃቢ ኢትዮጵያ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ኣፈ ጉባኤ ፌደረሽን ኢትዮጵያ ዝነበራ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፣ "ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ህወሓት ክምስክር እየ" ኢለን ድሕሪ ምስምመዐን፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረባ ሓሳበን ለዊጠን "ኣይምስክርን" ኢለን ኢሉ ከምዝከሰን ገሊጹ።

ጠበቓኣን ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ ብወገኑ "ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት ንክምስክራ ኣይተሰማማዓን፣ ብምስጢር ተቀሪጹ ብዝተባሃለ ቪድዮ ስለዝሓዝወን እዩ ነታ ዕለት ይጽበዩዋ ዝነበሩ" ኢሉ።

ዓቃቢ ሕጊ ግና ነዚ ሓሳብ’ዚ ከምዘይቅበል፣ ዝኣክል ጭብጢ ከምዝሓዘን፣ ኣብ ሰዓቱ ከምዘቅርብ ጠቂሱ ኣሎ።

ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣቶ ፈቃዱ "ወ/ሮ ኬርያ፣ ክምስክር እየ ኢለን ድሕሪ ፈቃደኛ ምዃነን ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሓን ሓለዋ ይግበረን ከምዝጸንሐን" ገሊጾም።

ጠበቓኣን ኣቶ ሃብቶም ከሰተ ብወገኑ "ወ/ሮ ኬርያ፣ ኢደን ድሕሪ ምሃበን ተኣሲረን ከምዝነበራ፣ ክሰን ተቋሪጹ ብዋሕስ ከምዝተፈትሓ፣ ሎሚ ግና ክእሰራ ድልየተን ምኳኑ ገሊጸን እየን" ኢሉ።

ኣብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ሎሚ ዝቀረባ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፣ ዝመጽእ ሶኑይ ናብ’ቲ ቤት ፍርዲ ንክምለሳ ከምዝተኣዘዛን፣ ክሳብ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ንክጸንሓ ምውሳኑ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG