ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቓቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ንሕገ መንግስትን ስርዓትን ብምፍራስ ገበን ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ሰባት 13 ክሲ መስሪቱ


ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንእኒ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ቀቲሉ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሓዊሱ ንሕገ መንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ብምፍራስ ገበን ኣብ ልዕሊ ዝጠርጠሮም 13 ሰባት ክሲ መስሪቱ።

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብዘቕረቦ ናይ ክሲ ጥርዓን 15 ሰነ 2011 ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈፀመ ቕትለት ክገልፅ ከሎ እቶም ተኸሰስቲ ብጉጅለ ብምውዳብ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብምፍራስ ንክልል ኣምሓራን ፌደራልን ስልጣን ብሓይሊ ንምቁፅፃር ፈቲኖም ይብል።

እቲ ኽሲ ንኣባላት ብምምልማል፣ብምስልጣን፣እቲ ገበን ንኽፍፀም ንህዝቢ ብምልዕዓል፣ወዲቦም ተልእኾ ብምሃብን ኣብቲ ገበን ብቐጥታ ብምስታፍን ህይወት 17 ሰባት ክጠፍእን ልዕሊ 20 ሰባት ክቖስሉን ከምኡ እውን ብርክት ዝበለ ንብረት ክዓንውን ገይሮም ይብል። ድሕነት ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ቅልውላው ክወርድ ስለዝገበሩ ተከሲሶም ኣለው ይብል።

ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2011 እቲ ትልሚ ተፈፃሚ ክኸውን ክውድቡ ከምዝፀንሑ ብምግላፅ 15 ሰነ 2011 ምኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ሓላፊ ቢሮ ፀጥታንድሕነትን እቲ ክልል ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ዶር አምባቸው መኮነን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ቕትለት ክፍፀም ገይሮም ይብል።

ኣብዚ ዕለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣብ ልዕሊ ኤታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን መሓዝኦም ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ቀዳማይ ተኸሳሲ መሳፍን ጥበቡ ብዝተውሃቦ ተልእኾ ከምዝቐተሎም እቲ ኽሲ ይሕብር።

ኣብቲ ኽሲ ካብ ዝተዘርዘሩ ሓደ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ/ኣብን/ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ኣቶ ክርስቲያን ታደለ ይርከቡዎም።

ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታት ዓማዊሎም ክሳብ ሎሚ ዝርከብሉ ኩነታት ስለዘይፈልጡን ኣብ ጉዳዮም ከምዘይተዘራረቡን ብምሕባር ንዓማዊሎም እኹል ሕጋዊ ኣግልግሎት ንምሃብ ዘኽእሎም ኩነታት ቤት ፍርዲ ከመዓራሪየሎም ሓቲቶም።

ቤት ፍርዲ ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከትን1 ታሕሳስብ 2012 ዓ/ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG