ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቓቢት ሕጊ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት: ሱዳን ኣብ ምጽናት ዓሌት ዳርፉር ተሳቲፎም ዝተባህሉ ጥርጡራት ከተረኽብ ሓቲታ


ዓቃቢት ሕጊ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት- መንግስቲ ሱዳን ነቶም ብምጽናት ዓሌት ዳርፉር ዝድለዩ ተኸሰስቲ ከረክቦም ትሓትት ኣላ።

ፋቱ በንሶዳ ዝሓለፈ ቀዳም ዳርፉር ሱዳን ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን፡ ምስ ሰበስልጣንን ግዳያትን ተራኺባ ኔራ። ካብ መንጎ`ቶም ብኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ዝድለዩ ሓደ ናይ ሱዳን ፕረዚደንት ዝነበረ ዖማር ኣል በሽር ክኸውን ከሎ ካብ ሚያዝያ 2019 ጀሚሩ ኣብ ኻርቱም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ዘሎ`ዩ።

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣቐድም ኣቢሉ፡ ተሓተቲ ገበናት ኩናት ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ክፍረዱ ኣፍቂዱ`ኳ እንተነበረ ድሓር ግን እቲ ፍርዲ ኣበይ ይካየድ ኣብ ዝብል ግን ምስ ቤት ፍርዲ ዘ-ሄግ ንላዘበሉ ዝኸውን`ዩ ክብል ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG