ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቐብቲ ሕጊ ካታልያ መርከብ አኳየርስ መርዛም ጎሓፍ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደርብያ’ያ ክብሉ ይኸሱ


ፋይል
ፋይል

ዓቓብቲ ሕጊ ከተማ ካታንያ ዋንነታ ናይ ሓካይም ብዘይዶብ ዝኾነት ኣብ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ማእከላይ ባሕሪ ተዋፊራ ዝጸንሓት መርከብ አኳይረስ ኣብ ወደባት ሲሲሊ መርዛም ርስሓት ደርብያ እያ ብዝብል ክሲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክትኣትው ይጽውዑ።

ኣብ ወርሒ የካቲት 2016 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝጀመረት መርከብ ኣኳይረስ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንዘድሓነቶም ስደተኛታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ካታንያ ንምርጋፍ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ወደብ ትዓርፍ ምንባራ ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ መራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ እታ መርከብ ኣብ ወደብ ካታንያ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን መርዛም ንጥረ ነገራት ናብቲ ባሕሪ ጉሒፋ’ያ ብዝብል ጥርጣረ እቲ ክሲ ከምዝተመስረት ይገልጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመሰረት ውሳነ መንግስቲ ኢጣልያ እታ መርከብ ስርሒት ህይወት አድሕን ከይተኻይድ ተኸልኪላ ኣብ ወደብ ማርሰል ፈረንሳ ከምትርከብ’ውን ይፍለጥ።

ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቲዮ ሳልቪኒ ኣብ ዝጸሓፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይዓርፋ ብምክልካለይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ መርዛም ርስሓት’ውን ደው ከነብል ክኢልና ኢና “ ኢሎም።

ወናኒ’ታ መርከብ ዝኾነ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓካይም ብዘይ ዶብ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ መግለጺ ነታ መርከብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክትኣትው ዝብል ጻውዒት ብትሪ ብምኹናን ኣብ ጉዳይ ርስሓት ድማ እቲ ግቡእ ዝኾነ መስርሕ ይኽተሉ ምንባሮም ገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG