ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ዝቕጽል ቀ/ሚንስትር'ታ ሃገር ንምምራጽ ዝሓዞ መደብ ተናዊሑ


ተወዳደርቲ ንቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ
ተወዳደርቲ ንቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ

ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ዝቕጽል ቀዳማይ ሚንስትር ንምምራፅ ዝሓዝዎ መደብ ኣናዊሖምዎ።

ዘ ቴሌግራፍ ሽም ከይጠቐሰ ንዘሎ ስግኣት ብምሕባር ትማሊ ስሉስ ዘውፅኦ ፀብፃብ: ናይታ ሃገር ትካል ሰለያ ሰርሰርቲ ኮምፒተር (ሳይበር ሃከርስ)ናይ ህዝቢ ድምፂ ክቕይሩዎ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ምጥንቃቑ ይሕብር።

ብመሰረት'ዚ ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ሒዙዎ ዝነበረ ምሃብ ድምፂ ከናውሖ ተገዲዱ ኣሎ ክብል ፀብፃብ ዘ ቴሌግራፍ ሓቢሩ።

ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ንኣባላት ዝተላኸ 160,000 መድመፂ ካርዲ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ክብፅሕ ተስፋ ይግበር።

ሚንስትር ፋይናንስ ነበር ሪሺ ሱናክን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሊዝ ትራስን ንቦሪስ ጆንሰን ብምትካእ ዝቕጽል ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ ንምዃን ይወዳደሩ ኣለው።

5 መስከረም ኣብ ዝካየድ ምርጫ ካብ ዝውስኑ ኣባላት ዓቃባዊ ፓርቲ ብመሰረት ዝተኣከበ መዕቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ትራስ ይመርሓ ምህላወን የመልክት።

XS
SM
MD
LG