ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን አባላት ካቢነ ክልል ትግራይን ክሲ ምምስራቱ ኣፍሊጡ


ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ካቢነ ክልል ትግራይን ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ክሲ ምምስራቱ ኣፍሊጡ።

ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝለዓለ ተራ ዝነበሮም ትካላት ትእምት፣ ናይ ውልቅን መንግስቲን ኣመራርሓ፣ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ክልል ትግራይ፣ ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ምርጫ ክልል ትግራይ ዝተሳተፉ መራሕቲ ተቃወምቲ ፓርቲታትን ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ ውልቀ ሰባትን ናይ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ቀሪብዎም ኣሎ" ይብል።

ዝተጠቅሱ ክስታት፣ ሕጋዊ ዘይኮነ ምርጫ ብምክያድ ከምኡ'ውን ንመንግስቲ ብዘይሕገመንግስታዊ ኣገባብ ንምልዋጥ ኢሎም ናይ ትግራይ ወትሃደራዊ ኮማንድ ዝብል መስሪቶም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገበን ፈጺሞም ዝብሉ ከምዝርከብዎም እቲ መግለጺ ይሕብር።

ነቲ ካብ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዝቀረበ ክሲ ኣመልክቶም ርእይትኦም ዝሃቡና ወካሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ‘እዚ ባጫ እዩ’ ክብሉ መሊሶም።

ርእይቶ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:32 0:00


XS
SM
MD
LG