ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ቃለ ምስክርነት እቶም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ዝተኸሱ ሓለፍቲ ደሕንነትን ስለያን ሰሚዑ


ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ዝኸሰሶም ሓለፍቲ ደሕንነትን ስለያን ሎሚ መበል 76 ምስክር ቃለ ምስክርነቱ ሂቡ’ሎ።

እቲ መበል 76 ምስክር ኣቶ ደሳለኝ አሰፋ ካብ ደቡብ ጎንደር ከተማ ደብረ ታቦር ዝመጹ ኾይኑ ምስክርነቱ ዘቕረበ ኣብ ልዕሊ መበል 23 ተኸሳሲ ኣቶ አሸናፊ ተስፋሁን ምኳኑ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቡ። መስካሪ ንተኸሳሲ ብአካል ዝፈልጦ እንተኾይኑ ተሓቲቱ ካብ ካልኦት ተኸሳሲ ፈልዩ ኣመልኪቱ’ሎ።

እቲ ምስክር ካብ ከተማ ደብረታቦር ናብ ከተማ ሆሮታ ተወሲዱ ድሕሪኡ ናብ ከተማ ባህርዳር ተወሲዱ ናይ መስቀይቲ መርመራ ከምዝተፈጸሞ ዘርዚሩ።

በቲ ናይ መስቀይቲ መርመራ’ውን ኣብ ኢዱን እግሩን ምስክር’ዩ ዝበሎ በሰላ ንዳኛ ኣርእዩ።

እቲ ምስክር ናይ መስቀይቲ ተግባር ዝተፈጸሞ ብመበል 23 ተኸሳሲ ኣቶ አሸናፊ ተስፋሁን ትእዛዝ’ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ድሕሪኡ ናይ ግንቦት 7 አባል ኢኻ ተባሂሉ ብገበን ግብረሽበራ ተፈሪዱ ልዕሊ 23 ዓመት ተአሲሩ ከምዝተፈትሓ ተዛሪቡ።

ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ካልእ መበል 88 ምስክር ትክክለኛ አድራሻ ሒዙ ክምለስ ቤት ፍርዲ አዛዙ።

ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዋና ሓላፊ ደሕነትን ጸጥታን ዝነበሩ ኣቶ ጌታቸው አሰፋ ዝርከቦም ኣብ ልዕሊ 26 ሓለፍትን ሰራሕተኛታት’ቲ ኤጄንሲ ክሲ ምምስራቱ ይፍለጥ።

ካብዚኦም እቶም 22 ሎሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝወዓሉ ክኾኑ ከለው ኣቶ ጌታቸው አሰፋ፡ኣቶ ኣጽብሃ ግደይ፡ኣቶ አሰፋ በላይን ኣቶ ሲሻይ ልኡልን ብአካል ኣብ ዘይተረኽብሉ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝተራእየ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG