ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንጸት ዓሰብ ዝበጽሕ ጽርግያ ሜሎዶኒ-ማንዳ-ቡሬ ተጀሚሩ


ልዕሊ ክልተ ቢልየን ብር ወጻኢ ዝተገብረሉ ህንጸት ዓሰብ ዝበጽሕ ጽርግያ ሜሎዶኒ-ማንዳ-ቡሬ ትማሊ ሓሙስ ተመሪቑ ምጅማሩ ተገሊጹ።

እቲ 78 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎም ጽርግያ ትማሊ ሓሙስ ሚኒስትር መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ: በዓል ስልጣን ክፍሊ መንገዲታት ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝን ምምሕዳር ዓፋር ክልል አቶ አወል አርባ መሪቖም ምኽፋቶም ተሓቢሩ'ሎ።

ምኽፋት እዚ ጽርግያ ካብ ወደብ ዓሰብ ዝርከብ ተረባሕነት ብተወሳኺ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝህልዎ ርክብ ዓቢ ተራ ክህልዎ ምዃኑ'ውን ኣብቲ አጋጣሙ ተገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG