ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓሰርተታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ


ፋይል
ፋይል

ከም ሳዕቤን ተኸታተሊ ደርቂ: ስእነት እኹል ሓገዝን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ህጻናት ብኣዝዩ ጽንኩር ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ፡ ንምንጭታት ህጻናት ኣድሕን (Save the Children) ዝተባህለ ትካል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ንኣርባዕተ ናይ ዝናብ ወቕታት ምምዝባል ዝተራእዮ ኣከባቢ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ንሓሙሻይ ወቕቲ ብዘይ እኹል ዝናብ ይቕጽል ምህላዉ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ኣርብዓ ዓመታት ዝተራእየ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተገልጸ ደርቂ ምግጣሙ እቲ ዜና ይጠቅስ። እቲ ደርቂ ንኣስታት ልዕሊ ሚልዮን ዝዀኑ ህዝቢ ካብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልን ጸልዩ ኣሎ።

እቲ ኵነታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝኸፍአ ምዃኑን ንልዕሊ 185-ሽሕ ህጻናት ብኸቢድ ጸልዩ ምህላዉን ናይ ኢትዮጵያ ዳይረክተር እቲ ትካል ህጻናት ገሊጹ። ነቲ ዘጋጠመ ሰንሰለታዊ ደርቂ፡ ለበዳ ኮቪድ19ን ኲናትን ተወሲኹዎ መሊሱ ከም ዘጋደዶ ድማ እቲ ዜና ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG