ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓሰርተታት ኣሽሓት ሶማላውያን ናብ ኢትዮጵያ ይሃድሙ


ፋይል
ፋይል

መብዛሕትኦም ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቡዎም ኣስታት 60-ሽሕ ሶማላውያን ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዝርአ ዘሎ ጎንጺ ንምህዳም ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ወሃቢት-ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ጀነቫ ገሊጻ።

እታ በዓልቲ መዚ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጠቐሰቶ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ 13 ንቝጣታትን መዓስከራትን ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ኣለዉ። ህዝቢ ብጽቡቕ ይቕበሎም ከም ዘሎ ዝሓበረት እታ ወሃቢት-ቃል ዳርጋ መዓልታዊ ሓደ-ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ይስደዱ ብምህላዎም ነቲ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት መሊሱ ኣግዲዱዎን ንዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከቃልዕ ተኽእሎ ዘለዎን’ዩ ኢላ።

መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣባላት ቤተ-ሰቦም ኣብቲ ኲናት ዝኣተዉ ወይ ዝተቐትሉዎም ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ብድርቂ ዝተሃስየ ከባቢ ይስደዱ ብምህላዎም ድማ ነቲ ዝጸንሐ ጸገማት ተወሳኺ ተጽዕኖ ይፈጥር ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕን ሓገዝ ይጽውዕን።

XS
SM
MD
LG