ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረና፡ ድሕሪ ምርጫ 2007 ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ


ዓረና ንሉኣለዊነትን ዴሞክራሲን ድሕሪ መረፃ 2007 ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣማራፂ ፖሊሲ እቲ ውድብን እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ጠመተ ተገይርሎም እዩ።

ውድብ ዓረና ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካሄዶ ህዝባዊ ኣኼባ ናይቲ ውድብ ኣባላትን ደገፍትን ነበርቲ ከተማ መቐለ ተረኺቦም እዮም።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዓረና ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብዘይተለመደ ኩነታት እቲ ኣኼባ ክነካይድ ተሓባቢሩና እዩ ብምባል ኣመስጊኖም።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ንፈለማ እዋን እዩ ዓረና ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ኣኼባ ዘካየደ’ሎ። ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ከምዝገለፅዎ "ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ህዝባዊ ኣኼባ ዘየካየድና ኣብ ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳያት ተፀሚድና ስለዝነበረ እዩ ድሕሪ ሐዚ ግና ብተኸታታሊ ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ተመሳሳሊ መድረኽ ክነካይድ ኢና" ኢሎም።

ህዝባዊ ኣኼባ ዓረና ኣብ ከተማ መቐለ
ህዝባዊ ኣኼባ ዓረና ኣብ ከተማ መቐለ

ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ዓረና ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ማዛጋጃቤት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝገለፅዎ "ኣብቲ ኣዳራሽ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝሰገሩ ትዝታታት ኣለኒ ብምባል እዮም ወግዖም ጀሚሮም። ኣብ 1960ታት ንቓልሲ ዘለዓዕሉ ሙዚቃታት ይቐርበሉ ዝነበረ እዩ፤ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና ቅድሚ 18 ዓመታት ህወሓት ኣብ ክልተ ዝተመቐለሉ እዋን እቲ ናይ መወዳእታ መድረክ ዝተኻየደ ኣብዚ ውሽጢ ኣደራሽ እዩ ነይሩ እሞ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ዝፈጠሮ ፅልዋ ልዑል እዩ" ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር መሬት ዝለዓሉ ፀገማት ካብ ፖሊሲ ዝብገስ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ዋንነት መሬት ህዝብን መንግስትን ዝብል መንግስቲ ከምድላዩ መሬት ህዝቢ ክወስድ ዝሕግዝ እዩ ኢሉ ውድቦም ከምዝኣምን ተዛሪቦም።

ዓረና፡ ድሕሪ ምርጫ 2007 ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:05 0:00

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ፀገም ሰናይ ምሕደራ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ ወልቃይትን ራያን ድማ ፀገም ምሕደራን ልምዓትን እምበር ካልእ ሕቶ ኣሎ ኢሉ ዓረና ከምዘይኣምን ተዛሪቦም። ኣብዚ ጉዳይ ግዝኣት ትግራይ ንምስፍሕፋሕ እዩ ተባሂሉ ዝዝረብ ሓቂ ኣይኮነን ምኽንያቱ ድማ ሐዚ ዘሎ ወሰን ቅድሚ ምክላሉ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ክቡር መዓድን ዘለዎም ዓብይ ረብሓ ዘርክቡ ከባቢታት ናብ ዓፋር ክኽለሉ እዩ ተገይሩ። ወሰን ክልላት ዝተኸለለ ብቋንቋ እዩ ናይ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ኣከላልላ ዝድለ እንተኾይነ ድማ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሕቶ ክለዓል ማለት እዩ ኢሎም: ወይ ድማ ብሓፈሻ ስርዓት ኣከላልላ ወስን ምቅዋም ይከኣል ክብሉ ተዛሪቦም።

መበል 44 ዓመት ምስረታ ህወሓት 11 ለካቲት ኣመራርሓ ዓreና ተረኺብኹም ኢኹም ዕርቂ ድዩ ፈፂምኩም? ዝብል ሕቶ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ ኣመራርሓ ዓረና ወይዘሮ ኣረጋሽ አዳነ እቲ መድረኽ ምስ ህወሓት ናይ ምትዕራቕ መድረኽ ኣይኮነን ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓረና፡ ድሕሪ ምርጫ 2007 ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:00 0:00

XS
SM
MD
LG