ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ሃገር ብዝግባእ ከመሓደር ኣይካአለን እሞ ብሄራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ ይመስረት ክብል ውድብ ዓረና ንሉአላዊነትን ዲሞክራሲን ፀዊዑ።
ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንኮሚሽን ምምሕዳር ወስንን መንነትን እውን ዘይሕገመንግስታዊ ብምባል ተቓዊምዎ።
ማእከላይ ኮሚቴ ዓረና ንሉአላዊነትን ዲሞክራሲን 2-3 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈፀሞም ስራሓትን ብቐፃሊ በቲ ውድብ ክሰርሑ ዝተተለሙ ካብ ምግምጋም ብተወሳኺ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝዘተየ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም።
ኣብዛ ሃገር እሱራት ፖለቲካ ምፍታሕ፣ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነበሩ ውድባትን ፖለቲከኛታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ምግባርን ብተወሳኺ ድማ ዝተወሰነ ነፃነት ሚድያ ክህሉ ምግባር ዝሓውስ ለውጥታት ተመዝጊቡ ከምዘሎ እዚ ድማ ዓረና ከም ዝንእዶ ገሊፆም። እዚ ድማ ውፅኢት ቃልሲ መላእ ኢትዮጵያውያን እዩ ኢሎም።
እንተኾነ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት’ዛ ሃገር ዝፍጠሩ ጎንፅታት ስዒቡ ዜጋተት ይመዛበሉ ምህላዎም ተዛሪቦም።
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ንዝመፁ ዜጋታት መንግስቲ እዚ ክልል እኹል ሓገዝ ኣይገብርን ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ዓምዶም በዚ ድማ ማሕበራዊ ቅልውላው ይፈጠር ኣሎ ኢሎም። መንግስታት ፌደራልን ክልልን ነዞም ወገናት ካሕሳ ክኸፍሎምን ናብርኦም ክመርሕሉ ዝኽእልሉ ባይታ ከዳልው ይግባእ ኢሉ ዓረና የተሓስስብ ኢሎም።
ኣብ ኣኼባ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ኣብ ሞንጎ ክልላት ኲናት ንምኽፋት መንግሰታት ይዳለው ምህላዎም ዝርኣዩ ምልክታት ኣሎ እዚ ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፀዲቑ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ምምሕዳር መንነትን ወሰንን ድማ ሕገ መንግስት ዝጥሕስ ብምዃኑ ዓረና ከምዝቃወሞ ገሊፆም።
ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ዝሃቡ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ እቲ ኮሚሽን ኣብ ሞንጎ ክልላት ዘሎ ምትፍናን ዘጋድድ እምበር ዝፈትሕ ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም መበገሲኡ ገዛኢ ውድብ ኢህወደግን ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ኣባል ውድባት እዮም ዝበሉ ኣይተ ዓምዶም እዚ ፀገም መንግስቲ ክፈትሖ ከምዘይኽእል ውድቦም ከምዘኣምን ብምግላፅ ነዚ ንምፍታሕ ብሄራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ ክምስረት ውድቦም ምሕታቱ ገሊፆም።
ኣብ ኮሚሽን ምምሕዳር ወሰንን መንነትን ጠሚቱ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልላት ይፍጠር ዘሎ ዘይምርድዳእን ሕቶ መንነት መፅናዕቲ ብምክያድ እቲ ኮሚሽን መፍትሒ ሓሳብ ዘቕርብ እዩ ብምባል መንግስቲ ኣድላይነት እቲ ኮሚሽን ይገልፅ ኣሎ::
ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ካብ ወከልቲ ትግራይ ተቓውሞ ወፃኢ ብአርባዕተ ድምፀ ተዓቅቦን ብብዝሒ ድምፂ ምፅዳቑን ቤት ምኽሪ ትግራይ እቲ ኮሚሽን ዝቃወም ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።
ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ ብዛዕባ ዝግበረሎም ሓገዝ ጠሚቱ ንሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ሓቲትናየን። መንግስቲ ትግራይ ነቶም ተመዛበልቲ ንምጥያሽ ለገስቲ ኣተሓባቢሩ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ኢለን።