ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረና ንዴሞክራሲን ሉኣላዊነትን ንዘውጸኦ እዋናዊ መግለጺ ተመስሪቱ ዝተካየደ ቃል ምልልስ 


ፓርቲ ዓረና ንዲሞክራሲን ሉኣላዊነትን "ኣብ ትግራይ ህዝቢ ንከይረጋጋእ ጠንቂ ኮይኖም ዘለው ክልተ ምኽንያታት፣ ሓደ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበሩ ቦታታት፣ ካብ ሕገ መንግስቲን ካብ ሕጊን ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክልል ኣምሓራ ምውዳቆም፣ እቲ ካልኣይ፣ ባዕዳዊ ሰራዊት ማለት ሰራዊት ኤርትራ ንብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ ተቆጻጺሩ ስለዘሎ'ዩ" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ።

መግለጺ ዓረና ከምዝሓበሮ "ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዕጡቃትን ሲቪላት ሞይቶም፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ተፈናቂሎም፣ ሚልዮናት ድማ ንሕጽረት መግቢ ተቃሊዖም፣ ብቢልዮናት ዝግመት ትሕተ ቅርጺ በሪሱ፣ ብዙሕ ንብረት መንግስቲን ውልቀ ሰብ ሃብቲን ተዘሚቱ" ይብል።

ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝተታሓዙ ከባቢታት ይወርድ ኣሎ ዝበሎ ህልቂት ከቢድ ከምዝኾነ ካብ ነበርቲ’ቲ ከባቢታት ዝኾኑ ኣባላቱ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ዝጠቅስ መግለጺ ዓረና ኣብ ኣጽቢ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ኣኽሱምን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈጸሙ ቅትለታት ክሳብ ሎሚ ብወግዒ አይተጸብጸበን ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘጻሪ ኣካል መርመራ ኣካይዱ እንተተረኺቡ ፈጸምቱ ናብ ሕጊ ክቀርቡ እዮም ክብል ከሎ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ግና ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ መልሲ ኣይተረኸበን። ኣብ’ዚ ቀረባ ንሪፖርት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግብረ መልሲ ዝሃቡ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ነቲ ሪፖርት ‘ናይ ሓሶት ሪፖርት’ ከምዝበልዎ ይፍለጥ።

‘አምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ኣብ ኣኽሱምን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ጥፍኣትን ግፍዒን፣ ብገበን ኩናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነትን ዘሕትት ክኾን ከምዝኽእል’ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG