ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረና ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ገሊፁ


ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላውነትን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ምርጫ “ዘይሕገ-መንግስታዊ” እዩ ብምባል ከምዘይሳተፍ ገሊፁ::

እቲ ተቓዋሚ ውድብ ነዚ ዝበለ፡ ብቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኡ እዩ:: ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 12 ዓመታት ተቓዋሚ ውድብ ኮይኑ ዝፀንሐ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላውነትን ብቅድሚ ትማሊ ቐዳም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2002/2007 ኣብ ዝተኻየዱ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ ብምስታፍ ንሰላማዊ ቃልሲ ግድኡ ከበርክት ፀኒሑ’ዩ ኢሉ::

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ምርጫ "ዘይሕገ-መንግስታዊ” ብምባል ኣብቲ ምርጫ ውድቦም ከምዘይሳተፍ ሓቢሮም:: ካልእ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምርጫ ክካየድ የብሉን ኢሉ ዓረና ከም ምኽንያት የቕርቦ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ: ኣብዚ ሐዚ እዋን ቅድሚ ኹሉ ጥዕና ሕብረተሰብ ጠመተ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ:: እቲ ምርጫ ኣብ ሓደ ወርሒ ብዝግበር ምንቅስቓስ ዝካየድ ብምዃኑ፡ ኣብ ፍትሓውነቱ ተቐባልነት ኣይህልዎ ኢሉ ከምዝኣምን እውን ኣፍሊጡ::

ዓረና ንፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ነቒፉ’ሎ: ፌደራል መንግስቲ ምርጫ ንምንዋሕ ዝኸደሉ ኣግባብ ልክዕ ኣይኮነን ዝበለ ዓረና ትግራይ: ኣብ ከይዲ እቲ ምንዋሕ ምርጫን ብቐፃሊ ኮረና ቫይረስ ስግኣት ኣይኮነን ኢሉ ዝውስን ኣካል ገለልተኛ ኣይኮነን ኢሉ:: መንግስቲ ፌደራል: ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉን ስልጣን ክናዋሕ ከምዝተወሰነን ዝዝከር እዩ። እዚ ውሳነ “ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ብምንዳይ” ዝተፈጸመ ምዃኑ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ:: ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ገዛኢ ውድብ እቲ ክልልን ካልኦት ሰለስተ ውድባት ምርጫ ክካየድ ኣለዎ እንተዘይኮይኑ ድሕሪ መስከረም ሰላሳ ሕጋዊ መንግስቲ ኣይህሉን ብምባል ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገጺ የንፀባርቑ ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG