ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረና መስርሕ ኣብ ቀረባ ዝተፈትሑ ተአረምቲ ሕጊ ኣድልዎ ዘለዎን ዘይፍትሓዊ’ዩ ይብል መንግስቲ’ቲ ክልል ግን ነዚ ይነጽግ


ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ትግራይ ብይቕሬታ ክፍትሑ ዝወሰነሎም 3,231 ተአረምቲ ሕጊ ተፈቲሖም ።

ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ንድምጺ ኣሜሪካ መግለፂ ዝሃበ ውድብ ዓረና ንሉአላውነትን ዴሞክራሲን ከይዲ እቲ ይቕሬታ ዘይፍትሓዊን ኣድልዎ ዘለዎ እዩ ብተወሳኺ ኣባላት ውድበይ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ቅዋሞም ክሳብ ሐዚ ተኣሲሮም ይርከቡ ኢሉ።

ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ብወገኑ እቲ ከይዲ ይቕሬታ ብመሰረት መምርሒ ይቕሬታ ዝተፈፀመን ግልፅነት ዘለዎን ፍታሓውን እዩ ክብል ገሊፁ። ብተወሳኺ እውን ብፖለቲካዊ ቅዋሙ ተኣሲሩ ኣብ መአረሚ ቦታ ዝርከብ ሰብ የለን ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG