ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረብ ኢማራት ገለ ክፋል ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝነበራ ወታሃደራዊ መደብር ምብታና ተገሊጹ


መወዳእታ ካብ ዘይብሉ ውግእ የመን ዝሳሓበት ዓረብ ኢማራት፣ ነቲ ኣብ ወደብ ዓሰብ ኤርትራ ቀሊሳቶ ዝነበረት ወታሃደራዊ መደበር ንገለ ክፋሉ ክተፍርሶ ጀሚራ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፣ ነቲ ወታሃደራዊ መዓስከር ተረኪባ ዘስፋሓቶን ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት እዩ። ከበድቲ ኣጽዋርን ሰራዊት ሱዳንን ኣብ ጎድኒ ስዑድ ዓረብ አሰሊፋ፣ ኣንጻር ደገፍ ኢራን ዝረኽቡ ሰራዊት ሑቲ ትዋጋእ ጸኒሓ’ያ።

ኢማራት ካብ ውግእ ናይ የመን ምስሰሓበት ግና፣ ኣቁሑታ እናጠርነፈትን እናግዐዘትን ከምትርከብ ሳተላይታዊ ምስልታት ኣርእዮም ኣለው።

ዓረብ ኢማራት ብዛዕባ’ቲ ምዕባለ ርእይቶንክትህበሉ ንዝቀረበላ ሕቶ ክትምልስ ኣይካኣለትን። ነቲ መዓስከር ንሰላሳ ዓመታት ንኢማራት ዘካረየት ኤርትራ፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝርከብ ኤምባሲኣ ተመሳሳሊ ሕቶ ቀሪቡ መልሲ ክህብ ኣይካኣለን።

ብመሰረት ኪኢላታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኢማራት ኣብ ዓሰብ፣ ታንክታት፣ ነፈርቲ ውግእን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮንን) ኣዋፊራ ነይራ። ኣብ ውግእ የመን’ውን ኣብ ጥቅሚ ውዒሎም እዮም።

ኢማራት፣ ንመራሕቲ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ንምቅንጻል ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ተጠቂማ እያ። እዛ ሃገር’ዚኣ፣ ነቲ ኣብ ዓሰብ ዝሃነጸቶ መደብር ድሮን ክተፍርሶ ዝጀመረት ግና፣ ደባይ ተዋጋእቲ ትግራይ፣ ድሮናት ኢማራት ኣብ ልዕሌና ደብዳብ ፈጺመን ኢሎም ዝሓለፈ ሕዳር ድሕሪ ምኽሳሶም እዩ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፣ ብዛዕባ’ቲ ዝቀረበላ ክሲ ግብረ መልሲ ኣይሃበትሉን፣ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ’ውን እንተኾነ መረጋገጺ ኣየቅረቡን ዘለው።

XS
SM
MD
LG