ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረብ ኢማራት ብቻይና ዝተሰርሐ ክታበት ኮቪድ 19 ኣድማዕነት ረኺበሉ ትብል


ብሪጣንያ ኽታበት ኮቪድ 19 ምሃብ ብምጅማር ቀዳመይቲ ምዕራባዊት ሃገር ድሕሪ ምዃና፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ድማ ብቻይና ዝተሰርሐ ክታበት 86% ኣድማዕነት ረኺበሉ ትብል ኣላ።

ዓረብ ኢማራት ኣብቲ ብቻይና ዝተሰርሐን 125 ሃገራት ዝተሳተፋሉን ፈተነ ክታበት ድሕሪ ምስታፋ፡ ነቲ ክታበት ንህጹጽ ሓደጋ ንምሕካም ቅቡል ጌራቶ`ላ።

ሚንስትሪ ጥዕና ዓረብ ኢማራት እቲ ክታበት ንሓፋሽ ክውሃብን ቁጠባኣ ክኽፈትን ዝብል ተስፋ`ያ ትርኢ ዘላ።

XS
SM
MD
LG