ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመጽቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ የዩ ዝተላዕለ ውግእ መንግስቲ’ዩ ጀሚርዎ ይብሉ


ፋይል
ፋይል

ናይ ደቡብ ሱዳን ዓመፅቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት የዩ ሪቨር ዝተለዓለ ውግእ ሓይልታት መንግስቲ እዮም ጀሚሮምዎ ክብሉ ኸሲሶም።

መራሒ ግንባር ሃገራዊ መድሕን ጀነራል ቶማስ ሲሪሎ ስዋካ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ውግእ ዝጀመሮ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ክኹንን ኣለዎ ኢሎም።

“ካብ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ጀሚሩ መንግስቲ ሓይልታቱ እናዳለወ፣ ካብ ጁባ ናብቲ ከባቢ የንቀሳቕስን ንዓና ንምጥቓዕ ይዳለው ከምዘሎን ንሰባት ክነጥቅቕ ፀኒሕና ኢና’’ኢሎም።

ትሮይካ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ኣሜሪካ፣ብሪጣንያን ኖርዌይን ዝርከባሉ ጉጅለ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ ሓባራዊ መግለፂ ኣብ ከባቢ ከተማ የዪ ዝካየድ ውግእ ታሕሳስ 2017 ኣብ መንጎ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ብርክት ዝበሉ ዓመጽቲ ጉጅለታትን ዝተበፅሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕን ኣብ መስከረም ዝተፈረመ ናይ ሰላም ስምምዕን ብግልፂ ዝጥሕስ እዩ ይብል።

ኣብ ታሕሳስ 2013 ብሰንኪ ዝጀመረ ግጭት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም፣ልዕሊ 4.5 ሚሊዮን ካብ መነባብሮም ተመዛቢሎምን ካብዚኦም እቶም ክልተ ሚሊዮን ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶምን እዮም።

XS
SM
MD
LG