ዋሽንግተን —
2022 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ዋዕላ ወፍሪ ሰላም ተጋሩን ኤርትራዊያንን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ’ዚ ቀረባ ተካይዱ ኣሎ።
ብመሰረት ኣተሓባበርቲ እቲ ኮንፈረንስ ንናይ ሎም ዘበን ዋዕላ ኣብ ትሕቲ ብዙሕነት፣ ግሉጽነት፣ ጠለብ ሕብረተሰብ ኣብ ምምላእን ድሕነት ኣባላት ኣብ ምውሓስን ብዝብሉ ኣርባዕተ ዓበይቲ ነጥብታት ተጸምቢሉ ተዛዚሙ ኣሎ።
ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዝተሰከሙ ኣቶ ማእከለ መንገሻን ዶ/ር ነጋሲ መብራህቱን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።